15 ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ።
ኵሉ ዝገብርዎ፥ ሰብ ክሪአልና ኢሎም ይገብሩ፤ ክታባቶም የግፍሑ፤ ዘፈር ክዳውንቶምውን የንውሑ።
እግዚኣብሄር በቲ ጐይታ ዅሉ ዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ንደቂ እስራኤል ሰላም እናብሰረ፥ ዝለኣኾ ቓል እዙይ እዩ፤
ገሊኣቶም ግና ሰብ ቆጵሮስን ሰብ ቀርኔንን ነበሩ፤ እዚኣቶም ናብ ኣንፆኪያ መፂኦም፥ ብዛዕባ ጐይታና ኢየሱስ ሰበኹሎም። ነቶም ግሪካውያን እንተይተረፈ ነገርዎም።
በብመዓልቱ ኣብ ቤተ መቕደስን፥ ገዛ ንገዛ እናዞሩን፥ ኢየሱስ ክርስቶስ መሲሕ ከም ዝኾነ፥ እንተየቋረፁ ይምህሩን የብስሩን ነበሩ።
ፊልጶስ ከዓ ኣፉ ኸፊቱ፥ ካብዝ መፅሓፍ እዙይ ጀሚሩ ስለ ኢየሱስ ክርስቶስ ብስራት ሰበኸሉ።
ፊልጶስ ከዓ ናብ ሓንቲ ኸተማ ሰማርያ ወሪዱ፥ ብዛዕባ ክርስቶስ ሰበኸሎም።
ሽዑ ድማ ኣብ ቤተ ፀሎት ኣይሁድ “ኢየሱስ ወዲ እግዚኣብሄር እዩ” እናበለ ኽሰብኽ ጀመረ።
ነቶም ንዓመፃ እምበር፥ ንሓቂ ዘይእዘዙ ፈተውቲ ርእሶም ግና፥ ቍጥዓን መዓትን ክወርዶም እዩ።
ንሕና ግና፥ ነቲ ንኣይሁድ መዐንቀፊ፥ ንኣህዛብ ከዓ ዕሽነት ዝኾነ፥ ዝተሰቐለ ክርስቶስ ንሰብኽ ኣለና።
ኵሉ ገንዘበይውን ንድኻታት እንተ ዓደልኩ፥ ሰብነተይ ብሓዊ ንምቅፃል ኣሕሊፈ እንተ ሃብኩ፥ ግና ፍቕሪ እንተ ዘይብለይ፥ ሓደኳ ኣይጠቕመንን እዩ።
እቲ ብኣይን ብስልዋኖስን ብጢሞቴዎስን፥ ኣባኻትኩም ዝሰበኽናዮ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እግዚኣብሄር “እወን” “ኣይኮነን” ኣይነበረን፤ ብእኡ ዅልሻዕ “እወ” እዩ እምበር።
ከምዚኣቶም ዝበሉ፥ ንባዕላቶም ናይ ክርስቶስ ሃዋርያት ከም ዝኾኑ ኣምሲሎም፥ ብምጥባር ዝሰርሑ፥ ሓሰውቲ ሃዋርያት እዮም።
ክመፅእ እንተለኹ፥ ከምቲ ኣነ ዘይደልዮ ዄንኩም ከይረኽበኩም፥ ንኣይውን ከምቲ ንስኻትኩም ዘይትደልይዎ ኾይነ ኸይትረኽቡኒ፥ ምናልባሽውን ባእሲ፥ ቅንኢ፥ ቍጥዓ፥ ሻራ፥ ምፅላም ስም፥ ሓሜት፥ ትዕቢት፥ ህውከት፥ ከይህልወኩም እፈርሕ ኣለኹ።
ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ጐይታ ኸም ዝኾነ፥ ንሕና ኸዓ ምእንቲ ክርስቶስ፥ ኣገልገልትኹም ከም ዝኾንና እምበር፥ ብዛዕባ ርእስና ኣይኮንናን እንሰብኽ።
እዙይ ከዓ እቶም ኣሕዋት መሲሎም፥ ኣብ ማእኸልና ሸሊኾም ዝኣትዉ ሰለልቲ፥ ነቲ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ሓርነት ኣጥፊኦም፥ ባሮት ከይገብሩና እዩ።
ሓንቲ ነገር እኳ፥ ናይ ባዕልኻ ጥቕሚ ብምቕዳም ወይ ንኸንቱ ውዳሴ ኢልኩም ኣይትግበሩ። እኳ ደኣ ትሕትና ብምልባስ፥ እቶም ካልኦት ካባኻትኩም ከም ዝበልፁ ጌርኩም ቍፀሩ።
እወ እቲ “ብስጋ ሰብ ተገልፀ፤ ብመንፈስ ፀደቐ፤ ብመላእኽቲ ተርኣየ፤ ኣብ መንጎ ኣህዛብ ተሰብከ፤ ኣብ ዓለም ተኣምነ፤ ብኽብሪ ዓረገ” ዝብል ናይ እምነትና ምስጢር፥ ብርግፅ ዓብዪ እዩ።