14 ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ።
ኢየሱስ ከዓ ነቲ ኢዱ ዝሰለለት ሰብ “ተስእሞ ኣብ ማእኸል ደው በል” በሎ።
ካብ ኢድ ፀላእትና ድሒንና፥ ብዘይ ፍርሓት ክነምልኾ፥
ከምዙይ ዝበለት ተስፋ ስለ ዘላትና ኢና፥ ብትብዓት እንዛረብ ዘለና።
ኣባኻትኩም ዓብዪ እምነት ኣለኒ፤ ብኣኻትኩም ዘለኒ ትምክሕቲ ኸዓ ዓብዪ እዩ፤ ተፀናኒዐውን ኣለኹ። ብዙሕ መከራ እኳ እንተ ሃለወና፥ ሓጐሰይ ወሰን የብሉን።
ስለዙይ በቲ ምእንታኻትኩም ዝበፅሐኒ መከራ፥ ክብርኹም ስለ ዝኾነ፥ ብመከራይ ተስፋ ኸይትቘርፁ እልምነኩም ኣለኹ።
እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ።
ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።
እምበኣር ኣቱም ኣነ ዘፍቅረኩምን ዝናፍቐኩምን፥ ሓጐሰይን ኣኽሊለይን ዝኾንኩም ፍቑራት ኣሕዋተይ፥ ኣብ ጐይታ ፀኒዕኹም ቁሙ።
ኣነውን ከምቲ ዝግብአኒ ገይረ፥ ነቲ ቓል ምእንቲ ብግልፂ ኽናገር ፀልዩለይ።
ቲኪቆስ፥ እቲ ፍቑር ሓውናን፥ እሙን ኣገልጋልን፥ ብጐይታ መሳርሕተይን፥ ከመይ ከም ዘለኹ ኸፍልጠኩም እዩ።
ከም እትፈልጥዎ፥ ቅድም ኣብ ፊልጵስዩስ መከራ ተቐበልናን ተዋረድናን። ይኹን እምበር እንተ ተቓወሙናኳ፥ ብረድኤት እግዚኣብሄር ብትብዓት፥ ወንጌል ሰቢኽናልኩም ኢና።
ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።