Biblia Todo Logo
Online Bible

- Advertisements -




ፊልጵስዩስ 1:13 - መፅሓፍ ቅዱስ

13 ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ።

See the chapter Copy




ፊልጵስዩስ 1:13
17 Cross References  

ጳውሎስ ከዓ “እንተስ ብሓፂሩ እንተስ ብነዊሑ፥ ንስኻ ጥራሕ ዘይኮንካስ፥ ኵሎም እዞም ሎሚ ዝሰምዑኒ ዘለዉውን፥ እንትርፊ እዝ መቝሐይ፥ ከምዝ ኸማይ ክኾኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር እልምን ኣለኹ” በለ።


ካብኡ ወፂኦም ምስ ከዱ ንስንሳቶም፥ እዝ ሰብኣይ እዙይ ናብ ሞት ወይ ናብ ማእሰርቲ ዘብፅሕ፥ ሓንቲ ነገር እኳ ኣይገበረን ተበሃሃሉ።


ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ፥ ጳውሎስ ነቶም መራሕቲ ኣይሁድ ፀዊዑ ኣከቦም። ምስ ተኣከቡ ድማ “ኣቱም ኣሕዋተይ፥ ኣነ ምስ ህዝብና ኾነ ወይ ምስ ስርዓት ኣቦታትና፥ ዝፃረር ነገር እኳ ኣይገበርኩን፤ እንተ ኾነ፥ ካብ ኢየሩሳሌም ብእሱረይ፥ ናብ ኢድ ሮማውያን ኣሕሊፎም ሃቡኒ።


እምበኣር ብዛዕባ እታ ተስፋ እስራኤል እየ፥ በዝ መቝሕ እዙይ ተኣሲረ ዘለኹ። በዝ ምኽንያት እዙይ እየ ኸዓ፥ ክሪአኩምን ክዛረበኩምን ዝፀዋዕኩኹም” በሎም።


ጳውሎስ ከዓ፥ ኣብታ ዝተኻረያ ገዛ፥ ክልተ ዓመት ምሉእ ተቐመጠ፤ ነቶም ናብኡ ዝመፁ ዅሎምውን ይቕበሎም ነበረ።


ስለዙይ ኣቱም ኣህዛብ፥ ኣነ ጳውሎስ ናይ ኢየሱስ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ምእንታኻትኩም ኢለ እየ።


እምበኣር ኣነ ምእንቲ ክርስቶስ እሱር ዝኾንኩ፥ ነቲ ዝተፀዋዕኹምሉ መፀዋዕታ፥ ብቑዓት ኴንኩም ክትመላለሱ እልምነኩም ኣለኹ።


ምእንቲ ወንጌል እሱር ዝኾንኩ ልኡኽ እየ እሞ፥ ምእንታኡ ኸምቲ ዝግብአኒ፥ ብትብዓት ምእንቲ ኽዛረብ ፀልዩለይ።


ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ።


ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ።


ኵሎም ቅዱሳን፥ ብሕልፊ እኳ፥ እቶም ኣብ ቤተ መንግስቲ ቄሳር ዘለዉ ዅሎም፥ ሰላም ይብሉኹም ኣለዉ።


ብምኽንያት እዝ ወንጌል እዙይ ከዓ፥ ከም ገባሪ ክፉእ ተኣሲረ፥ መከራ እቕበል ኣለኹ። ቃል እግዚኣብሄር ግና ኣይእሰርን እዩ።


Follow us:

Advertisements


Advertisements