8 ብሩርን ወርቅን ዝኸበረ ናይ ነገስታትን ኣውራጃታትን መዛግብ ኣከብኩ። ዝደርፉለይ ሰብኡትን ኣንስትን ነበሩኒ፤ ንሰብ ደስ ከብላኦ ዝኽእላ ብዙሓት ኣንስቲ ኸዓ ኣከብኩ።