2 ንኢያቡስቴ ክልተ ሰባት፥ ኣሕሉቕ ጭፍራ ነበርዎ፤ ስም እቲ ሓደ በዓና፥ ስም እቲ ኻልኣይ ከዓ ሬካብ ነበረ። ንሳቶም ደቂ ሪሞን በዓል ብኤሮት፥ ካብ ደቂ ብንያም ነበሩ። ብኤሮት ምስ ብንያም እያ እትቝፀር።