2 ሽዑ ሰሎሞን ንዓበይቲ እስራኤልን፥ ንዅሎም ኣሕሉቕ ነገዳትን እቶም ሹመኛታት ማይ ቤት ኣቦታት ደቂ እስራኤል፥ ንታቦት ቃል ኪዳን እግዚኣብሄር ካብ ከተማ ዳዊት፥ ካብ ፅዮን ከደይብዎ፥ ናብ ኢየሩሳሌም ኣከቦም።