1 ኣገልገልቲ ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ዝኾኑ ጳውሎስን ጢሞቴዎስን፥ ናብቶም ኣብ ፊልጵስዩስ ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለዉ ዅሎም ቅዱሳን፥ ምስ ኤጲስ ቆጶሳትን ዲያቆናትን። 2 ናይ እግዚኣብሄር ኣቦናን፥ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ፀጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን። ምስጋናን ፀሎትን3 ኵልሻዕ ንኣኻትኩም ክዝክር እንተለኹ፥ ንኣምላኸይ አመስግኖ። 4 ኣብ ኵሉ ፀሎተይ፥ ምእንቲ ዅልኻትኩም ብሓጐስ እፅሊ ኣለኹ። 5 ካብ መጀመርታ ኽሳዕ ሕዚ፥ ኣብ ስብከት ወንጌል ተሓባበርቲ ስለ ዝኾንኩም፥ ንእግዚኣብሄር አመስግኖ ኣለኹ። 6 እቲ ኣብ ህይወትኩም ሰናይ ግብሪ ዝጀመረ እግዚኣብሄር፥ ክሳዕ እታ ክርስቶስ ኢየሱስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ከም ዝፍፅሞ ተረዲአ ኣለኹሞ። 7 ኵልኻትኩም ኣብ ልበይ ስለ ዘለኹም፥ ብዛዕባ ዅልኻትኩም ክሓስብ ግቡእ እዩ። ተኣሲረ እንተለኹ ኾነ፥ ንወንጌል ክምስርታን ክማጐተላን እንተለኹ፥ ንስኻትኩም ኵልኻትኩም፥ ኣብዝ ፀጋ እዙይ መኻፍልተይ ኢኹምሞ። 8 ብፍቕሪ ክርስቶስ ኢየሱስ፥ ንዅልኻትኩም ከመይ ገይረ ኸም ዝናፍቐኩም፥ እግዚኣብሄር ምስክረይ እዩ። 9 ፍቕርኹም፥ ብዅሉ ፍልጠትን ምስትውዓልን፥ ብዝበለፀ እናበዝሐ ምእንቲ ክኸይድ እፅሊ ኣለኹ። 10 እዙይውን ነቲ ዝበለፀ መርሚርኩም ክትፈልጡ፥ በታ ክርስቶስ ተመሊሱ ዝመፀላ መዓልቲ፥ ንፁሃትን ነቐፋ ዘይብልኩምን ኴንኹም ምእንቲ ኽትርከቡ፥ 11 ንኽብሪ እግዚኣብሄርን ንውዳሴኡን ከዓ፥ በቲ ኻብ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብ፥ ፍረ ፅድቂ ምእንቲ ኽትምልኡ፥ እፅሊ ኣለኹ። ማእሰርቲ ጳውሎስን ምስፍፋሕ ወንጌልን12 ኣቱም ኣሕዋተይ፥ እቲ ኵሉ ዝበፅሐኒ ነገር፥ ንምስፍሕፋሕ ወንጌል የመና ኸም ዝጠቅም፥ ክትፈልጡ እደሊ ኣለኹ። 13 ስለዙይውን፥ ምእንቲ ክርስቶስ ተኣሲረ ኸም ዘለኹ፥ በቶም ቤተ መንግስቲ ዝሕልዉ ወታደራትን፥ በቶም ኵሎም ካልኦትን ተፈሊጡ ኣሎ። 14 ዝበዝሑ ኻብቶም ኣሕዋት ድማ፥ ብምኽንያት ምእሳረይ ኣብ ጐይታ ፀንዑ፤ ብዘይ ፍርሓት፥ ቃል እግዚኣብሄር ንምንጋርውን፥ ካብ ቅድም ዝበለፀ ትብዓት ረኸቡ። 15 ገሊኣቶም ብቕንእን ብባእስን፥ ገሊኣቶም ግና ብሰናይ ፈቓድ፥ ንክርስቶስ ይሰብክዎ ኣለዉ። 16 እዞም ዳሕረዎት፥ ንወንጌል ስለ ዝተማጐትኩላ ኸም ዝተኣሰርኩ ፈሊጦም፥ ብፍቕሪ ይሰብኩ ኣለዉ። 17 እቶም ቀዳሞት ግና፥ ኣብ ርእሲ ምእሳረይ፥ ተወሳኺ መከራ ኸምፅኡለይ ደልዮም፥ ብቕንዕና ዘይኮነስ፥ ብሻራ ብዛዕባ ክርስቶስ ይሰብኩ ኣለዉ። 18 ይኹን ደኣ እምበር፥ እንተስ ብተንኰል እንተስ ብቕንዕና፥ ብዝኾነ መንገዲ፥ ክርስቶስ ይስበኽ ኣሎ፤ በዙይ ድማ እሕጐስ ኣለኹ። 19 ገናውን ክሕጐስ እየ፤ እዝ ተግባር እዙይ፥ ብፀሎትኩምን ብረድኤት መንፈስ ኢየሱስ ክርስቶስን፥ ንድሕነተይ ከም ዝኸውን እፈልጥ እየሞ፥ 20 እዙይ ሃረርታይን ተስፋይን እዩሞ፥ ብምንም ኣይሓፍርን እየ። ሕዚ እውን እንተ ኾነ፥ ከምቲ ዅልሻዕ፥ እንተስ ብህይወት እንተስ ብሞት፥ ንክርስቶስ ብስጋይ ከኽብሮ እየ። 21 ንኣይ ህይወት ማለት ክርስቶስ እዩ፤ ሙማት ድማ፥ ረብሓይ እዩ እሞ። 22 ብህይወት እንተ ደኣ ኽነብር ኮይነ፥ ገና ፍረ ዘለዎ ስራሕ ኣለኒ ማለት እዩ። ነየናይ ከም ዝመርፅ ግና፥ ኣይፈልጥን እየ። 23 በዘን ክልተ ነገራት እዚኣተን እጭነቕ ኣለኹ፤ ብዝበለፀ ዝሕሸኒ ስለ ዝኾነ ግና፥ ካብዙይ ተፈልየ ምስ ክርስቶስ ክኸውን ሃረርታይ እዩ። 24 እንተ ኾነ ግና ብህይወት ምፅናሐይ፥ ንኣኻትኩም ኣድላዪ እዩ። 25 በዙይ ብምትእምማን፥ ብእምነት ክትዓብዩን ክትሕጐሱን፥ ብህይወት ፀኒሐ ምሳኻትኩም ከም ዝኸውን፥ ተረዲአ ኣለኹ። 26 መሊሰ ናባኻትኩም ምስ መፃእኹ፥ ብኣይ ምኽንያት ብኢየሱስ ክርስቶስ ዘለኩም ሓጐስ ክበዝሐልኩም እዩ። 27 ክሪአኩም እንተ መፃእኹ ወይ ኣብ ርሑቕ እንተለኹ፥ ብሓደ መንፈስ ፀኒዕኹም፥ ምእንቲ እምነት ወንጌል፥ ብሓደ ልቢ ትጋደሉ ምህላውኩም ምእንቲ ኽሰምዕ፥ ኣካይዳኹም ንወንጌል ክርስቶስ ዝበቅዕ ይኹን። 28 በቶም ዝቃወሙኹም ኣይትደንግፁ፤ እዙይ እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝኾነ፥ ንኣኣቶም ናይ ጥፍኣት፥ ንኣኻትኩም ግና ናይ ድሕነት፥ ርኡይ ምልክት እዩ እሞ። 29 እቲ ተውሂቡኩም ዘሎ ፀጋ ኸዓ፥ ብእኡ ኽትኣምኑ ጥራሕ ዘይኮነስ፥ ምእንታኡውን መከራ ኽትቅበሉ እዩ። 30 ስለዙይ ናይቲ ኣባይ ዝረአኹምዎ፥ ሕዚ እውን ኣባይ ከም ዘሎ እትሰምዕዎ ዘለኹም፥ ገድሊ ይበፅሐኩም ኣሎ። |