9 ግናኸ ውሽጡን ኣእጋሩን ብማይ ይሕጸብ፣ እቲ ኻህን ድማ ነቲ ኣብ መሰውኢ ዘሎ ዅሉ ዚሓርር መስዋእቲ፡ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና ዘለዎ መስዋእቲ ሓዊ ገይሩ የቃጽሎ።