11 ካፍ። ኵሉ ህዝባ ዝበልዖ እንጀራ ደልዩ የእዊ ኣሎ፤ ብህይወት ምእንቲ ኽነብሩ፥ ንዅሉ ኽቡር ጥሪቶም፥ ብምግቢ ይልውጥዎ ኣለዉ፤ ኦ እግዚኣብሄር፥ ተዋሪደ እየሞ ረአ፤ ተመልከትውን።