6 ኣብ መካበብያ ኣታኽልቲ፥ ፃዕዳን ሓምለዋይን ሰማያውን መጋረጃታት፥ ብፃዕዳን ቀይሕን ገመድ ሃሪ ተኣሲሩ፥ ብቐለበታት ብሩር ተንጠልጢሉ፥ ኣብ ልዕሊ ኣዕምዲ እብነ በረድ ተዘርጊሑ ነበረ። ኣብ ልዕሊ እቲ ብኣልባስጥሮስን ብፃዕዳ እብነ በረድን ብሉልን ብፀሊም እብነ በረድን ዝተኸድነ፥ ምድሪ ቤት ከዓ መናብር ወርቅን ብሩርን ነበረ።