36 ካሌብ ወዲ ዮፎኒ ጥራሕ እዩ ዝኣትዋ። ንሱ ኽሪኣ እዩ፤ ብምሉእ ልቡ ንኣይ ንእግዚኣብሄር ኣሚኑኒ እዩ እሞ እታ ኽስልያ ዝረገፃ ምድሪ፥ ንእኡን ንደቁን ክህቦም እየ’ ኢሉ ኸዓ መሓለ።