31 ሰብ ንወዱ ኸም ዝሕንግሮ፥ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ናብዛ ቦታ እዚኣ ኽሳዕ እትመፁ፥ ኣብ ምድረ በዳ ኣብ ኵሉ ዝኸድኩምዎ መንገዲ ኸም ዝሓንገረኩም ርኢኹም ኢኹም’ በልኩኹም።