13 ናብታ ኸተማ ምስ ኣተዉ ኸዓ፥ ናብታ ዝቕመጡላ ዝነበሩ ላዕለወይቲ ደብሪ ደየቡ። ንሳቶምውን ጴጥሮስ፥ ዮሃንስ፥ ያእቆብ፥ እንድርያስ፥ ፊልጶስ፥ ቶማስ፥ በርተሎሜዎስ፥ ማቴዎስ፥ ያእቆብ ወዲ እልፍዮስ፥ ስምኦን ቀናኢ፥ ይሁዳ ወዲ ያእቆብን ነበሩ።