21 እቲ ኣብ ቴቤፅ ዝሞተ ኣቢሜሌክ ወዲ የሩበሼት መን ድዩ ዝቐተሎ? ሰበይቲዶ ኣይኮነትን ካብ ልዕሊ መንደቕ መዲድ ዝደርበየትሉ? ስለ ምንታይ ናብ መንደቕ ቀረብኩም?’ እንተበለካ፥ ሽዑ ንስኻ፦ ‘ኣገልጋሊኻ ኦርዮ እቲ ኬጢያዊ ኸዓ ሞይቱ’ በሎ።”