11 ኦርዮ ኸዓ ንዳዊት “ደቂ እስራኤልን ደቂ ይሁዳን ኣብ ውግእ ኣለዉ፥ ታቦት ኪዳን ከዓ ምስኣቶም ኣሎ፥ ጐይታይ ኢዮኣብን ሓሻኽር ጐይታይን ድማ ኣብ ዓውዲ ውግእ እናሃለዉ፥ ሕዚዶ ኣነ ኽበልዕን ክሰትን ምስ ሰበይተይ ክሓድርን ኢለ ናብ ገዛይ ክኣቱ ኾይነ? ነዝ ነገር እዙይ ከም ዘይገብሮ ብህይወትካ እምሕል ኣለኹ” በሎ።