21 ኣቱም እምባታት ጊልቦዓ! ዋልታ ሓያላት ኣብኡ ወዲቑ እዩሞ፥ ዋልታ ሳኦል ብዘይቲ ኸም ዘይተቐብአ፥ ኣባኻትኩም ተደርቢዩ እዩ እሞ፥ ኣውልን ዝናምን ኣይውረድኩም፤ ኣባኻትኩም ከዓ ንመስዋእቲ ዝኸውን እኽሊ ዘፍርዩ ገራሁ ኣይሃልዉኹም።