16 በኣኻትኩም ኣቢለ ኸዓ፥ ናብ መቄዶንያ ኽሓልፍ፥ እንትምለስ ድማ ኻብ መቄዶንያ ናባኻትኩም ክመፅእ፥ ንስኻትኩም ድማ ዘድልየኒ ሓጊዝኩም፥ ናብ ይሁዳ ኸተፋንዉኒ ሓሲበ ነይረ።