13-14 ብዘይ እቲ እተንብብዎን እተስተውዕልዎን፥ ካልእ ኣይንፅሕፈልኩምን ኢና፤ ሕዚ ብሓደ ወገን ኢኹም እትፈልጡና። በታ ጐይታና ኢየሱስ ዝመፀላ መዓልቲ ግና፥ ከምቲ ንስኻትኩም ትምክሕትና ዝኾንኩም፥ ንሕናውን ትምክሕትኹም ከም ዝኾንና፥ ኣፀቢቕኩም ከም እትፈልጡ ተስፋ እገብር ኣለኹ።