12 ንሕና ኣብዛ ዓለም እዚኣ፥ ኣውራ ኸዓ በቲ ምሳኻትኩም ዘለና ርክብ፥ በቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝርከብ ቅድስናን ቅንዕናን ከም ዝነበርና፥ ሕሊናና ይምስክረልና እዩ። ነዙይ ከዓ ብጥበብ ሰብ ዘይኮነስ፥ ብፀጋ እግዚኣብሄር ስለ ዝገበርናዮ፥ ንምካሕ ኢና።