2 ይ ዜና 2:14 - መፅሓፍ ቅዱስ14 ንሱ ኻብ ነገድ ዳን ካብ ዝኾነት ሰበይቲ ዝተወለደ እዩ፤ ኣቦኡ ኸዓ ጢሮሳዊ ሰብኣይ እዩ። ብስራሕ ወርቅን ብሩርን ነሃስን ሓፂንን እምንን ዕንፀይትን ዝተፈለጠ እዩ። ከምኡውን ብሓምራውን ሰማያውን ቀይሕ ውፁእ ዝኾነ ዓለባን ብሃርን ክሰርሕ ዝኽእል እዩ፤ ኵሉ ዓይነት ቅርፂ ድማ ምቕራፅ ዝፈልጥ እዩ። ኵሉ ዓይነት ናይ ብልሓት ስራሕውን ዝሃብካዮ ኽሰርሕ ዝኽእል እዩ። ንሱ ምስቶም ምሳኻ ዘለዉ ብልህታትን ምስቶም ምስ ኣቦኻ ጐይታይ ዳዊት ዝነበሩ ብልህታትን ኮይኑ ይስራሕ። Viz kapitola |