1 ንጉስ ዳዊት ነቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ እስራኤል ከምዙይ በሎ፦ “እዝ ኣምላኽ ንበይኑ ሓርይዎ ዘሎ ወደይ ሰሎሞን ንኡስን ተመክሮ ዘይብሉን እዩ። እዝ ኣዳራሽ እዙይ ግና ንእግዚኣብሄር እምበር ንሰብ ኣይኮነን እሞ፥ እቲ ስራሕ ዓብዪ እዩ።