32 ኣብርሃም፥ ኬጡራ እትበሃል ሰበይቲ ወሰን ነበረቶ። ንሳ ንዘምራንን ንዮቅሳንን ንሜዳንን ንምድያምን ንየስቦቅን ንስዌሕን ወለደትሉ። ደቂ ዮቅሳን ከዓ፥ ሳባን ድዳንን እዮም።