6 ወዲ ንኣቦኡ፡ ባርያ ድማ ንጐይታኡ የኽብር። ሽዑ ኣቦ እንተ ዀይነ፡ ክብረይ ኣበይ ኣሎ፧ ጐይታ እንተ ዀይነ ኸኣ፡ ፍርሐይ ኣበይ ኣሎ፧ ኣቱም ንስመይ እትንዕቁ ካህናት፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ይብለኩም ኣሎ። ንስኻ ድማ ትብል፥ ብስምካ ብስም ምንታይ ኢና ንዒቕናዮ?