4 ናብ በዓላት ዚመጽእ ሓደ እኳ ስለ ዘየለ፡ መገድታት ጽዮን ይሓዝኑ። ኵለን ደጌታታ ጥፍኣት እየን፤ ካህናታ ይነፍሑ፡ ደናግልታ ሕሱራት፡ ኣብ ምረት ድማ ትርከብ።