1 እታ ብሰባት ዝመልአት ከተማ ከመይ ኢላ በይና ኮፍ ኢላ ኣላ! ከመይ ኢላ ከም መበለት ኰነት! ኣብ መንጎ ኣህዛብ ዓባይ፡ ኣብ መንጎ ኣውራጃታት ድማ ልእልቲ ዝነበረት፡ ከመይ ኢላ ቀረጽቲ ኰነት!