4 ኣታ ሓጢኣተኛ ህዝቢ፡ ኣበሳ እተሸከመ ህዝቢ፡ ገበርቲ እከይ ወለዶ፡ ረሳሓት ውሉድ። ንእግዚኣብሄር ሓዲጎምዎ፡ ንቅዱስ እስራኤል ኣላገጹሉ፡ ንድሕሪት ተመሊሶም።