10 ድሕሪ ምውዳቑ ብህይወት ክነብር ከም ዘይክእል ርግጸኛ ስለ ዝነበርኩ፡ ኣብ ልዕሊኡ ደው ኢለ ቀተልክዎ። ነቲ ኣብ ርእሱ ዝነበረ ኣኽሊልን ነቲ ኣብ ቅልጽሙ ዝነበረ ኣምባርን ወሲደ ናብዚ ናብ ጎይታይ ኣምጻእክዎ።