መዝሙረ ዳዊት 8 - መፅሓፍ ቅዱስንሊቀ መዘምራን ብሻምብቆ ናይ ዳዊት መዝሙር 1 ኦ ጐይታና! ስምካ ኣብ ኵሉ ምድሪ የመና ተመስገነ፤ ምስጋናኻ ኣብ ልዕሊ ሰማያት ልዕል ልዕል ኢሉ እዩ እሞ። 2 ብኣፍ ቈልዑን ህፃናትን፥ ምስጋና ኣዳለኻ፤ ምእንቲ ፀላእትኻ፤ ንፀላእን ንተበቃልን ምእንቲ ኽተጥፍእ እዩ። 3 ስራሕ ኣፃብዕትኻ ንዝኾኑ ሰማያትን፥ ነቶም ዝፈጠርካዮም ወርሕን ከዋኽብትን ምስ ረአኹ፥ 4 ንስኻ ኽትሓስቦስ፥ ሰብ እንታይ እዩ? ክትምልከቶኸ፥ ወዲ ሰብ እንታይ እዩ? 5 ካብ መላእኽቲ ቑሩብ ኣንኣስካዮ፤ ብኽብርን ብምስጋናን ኣኽሊል ከዓ ኸለልካዮ፤ 6 ኣብ ልዕሊ ዅሉ ስራሕ ኣእዳውካ ሸምካዮ፤ ንዅሉ ኣብ ትሕቲ እግሩ ኣግዛእኻሉ። 7 ንዅላተን ኣባጊዕን ከፍትን፥ ከምኡውን ንእንስሳታት በረኻን፥ 8 ነዕዋፍ ሰማይን ንዓሳታት ባሕርን፥ ንዅሉ እቲ ኣብ መንገዲ ባሕሪ ዝኸይድን ኣግዛእኻሉ። 9 ኦ እግዚኣብሄር ጐይታና፥ ስምካ ኣብ ኵላ ምድሪ የመና ተመስገነ። |