Online Bible

- Reklamy -

መዝሙረ ዳዊት 6 - መፅሓፍ ቅዱስ


ንሊቀ መዘምራን ብበገናታት ብሻሙናይ ናይ ዳዊት መዝሙር

1 ኦ ጐይታ፥ ብቝጥዓኻ ኣይትቕሰፈኒ፤ ብመዓትካውን ኣይትገስፀኒ።

2 ኦ ጐይታ፥ ድዉይ እየሞ፥ መሓረኒ፤ ኣዕፅምተይ ተሃዊኸን እየንሞ፥ ፈውሰኒ።

3 ነፍሰይውን የመና ተሃዊኻ እያ፤ ኦ ጐይታ፥ ንስኻኸ ኽሳዕ መኣዝ እዩ?

4 ኦ ጐይታ፥ ተመለስሞ ንነፍሰይ ኣድሕና፤ ምእንቲ ምሕረትካ ኣድሕነኒ።

5 ብሞት ዝዝክረካ የለን፤ ኣብ ሲኦልከ መን የመስግነካ?

6 ኣነ ብጭንቐተይ ደኺመ ኣለኹ፤ ኵሉ ለይቲ ዓራተይ ሓፀብኩ፤ ንመንፀፈይ ከዓ ብንብዓተይ ኣርሓስኩ።

7 ዓይነይ ካብ ቍጡዕ ንብዓት ዝተልዓለ ተሃወኸት፤ ካብ ኵሎም ፀላእተይ ዝተልዓለ ኣረግኩ።

8 እግዚኣብሄር ንድምፂ ብኽያተይ ሰሚዕዎ እዩ እሞ፤ ኣቱም ገበርቲ ዓመፅ፥ ኵልኻትኩም ካባይ ረሓቑ።

9 እግዚኣብሄር ልመናይ ሰምዐ፤ እግዚኣብሄር ንፀሎተይ ከዓ ተቐበለ።

10 ኵሎም ፀላእተይ ይሕፈሩን ይዋረዱን፤ ንድሕሪት ይመለሱ፤ ቀልጢፎምውን ይሕፈሩ።

Následuj nás:



Reklamy