መዝሙረ ዳዊት 5 - መፅሓፍ ቅዱስንሊቀ መዘምራን ብሻምብቆ ናይ ዳዊት መዝሙር 1 ኦ ጐይታ፥ ንቓለይ ኣድምፅ፤ ንጥርዓነይውን ኣስተብህል። 2 ኦ ንጉሰይን ኣምላኸይን፥ ናባኻ እፅሊ ኣለኹ እሞ፥ ንቓል ኣውያተይ ኣድምፅ። 3 ኦ ጐይታ፥ ብጊሓት ድምፀይ ክትሰምዕ ኢኻ፤ ኣንጊሀ ኣብ ቅድሜኻ ኽቐውም እየ፤ ክፅበውን እየ። 4 ንስኻ ኽፍኣት ዘይትፈቱ ኣምላኽ ኢኻ፤ ክፉእ ድማ ምሳኻ ኣይሓድርን እዩ። 5 ብኸንቱ ዝምክሑ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ኣይነብሩን፤ ንዅሎም ገበርቲ ዓመፅ ፀላእኻ። 6 ኦ ጐይታ፥ ሓሰት ንዝዛረቡ ተጥፍኦም፤ እግዚኣብሄር ንደም ዘፍስስን ንመታለሊን ይፅየፍ። 7 ኣነ ግና ብብዝሒ ምሕረትካ ናብ ቤትካ ኽኣቱ እየ፤ ንኣኻ ብምፍራሕ ናብ ቅድስቲ መቕደስካ እሰግድ ኣለኹ። 8 ኦ ጐይታ፥ ምእንቲ ፀላእተይ ብፅድቅኻ ምርሐኒ፤ መንገደይውን ኣብ ቅድሜኻ ኣቕንዐለይ። 9 ኣብ ኣንደበቶም ሓቂ የለን፤ ልቦምውን ከንቱ እዩ፤ ጐሮሮኦም ከም ክፉት መቓብር እዩ፤ ብመልሓሶምውን ይጥብሩ። 10 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ኾንኖም፤ ንሳቶም ኣብቲ ዝኣለምዎ ምኽሪ ይውደቑ፤ ከም ብዝሒ በደሎም ኣሳጕጎም፤ ኣብ ልዕሌኻ ዓሚፆም እዮም እሞ። 11 ኵሎም ብኣኻ ዝእመኑ ግና ክሕጐሱ እዮም፤ ንዘለኣለም ደስ ክብሎም እዩ፤ ንኣኣቶምውን ክትሕሉ ኢኻ፤ ኵሎም ንስምካ ዘፍቅርዎ ድማ ብኣኻ ክምክሑ እዮም። 12 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ንፃድቕ ትባርኾ፤ ኦ ጐይታ፥ ከም ዋልታ ብሞገስ ከለልካና። |