መዝሙረ ዳዊት 4 - መፅሓፍ ቅዱስንሊቀ መዘምራን ብበገና ናይ ዳዊት መዝሙር 1 ኦ ኣምላኽ ፅድቀይ፥ ክፅውዕ እንተለኹ መለሰለይ፤ ብጭንቀተይውን ኣስፋሕኻለይ፤ መሓረኒ፤ ፀሎተይውን ሰምዐኒ። 2 ኣቱም ደቂ ሰብ ክሳዕ መኣዝ ኢኹም ልብኹም እተኽብዱ? ክሳዕ መኣዝ ኢኹምከ ኸንቱ ነገር እትፈትዉን ንሓሰት እትደልዩን? 3 እግዚኣብሄር ብፃድቑ ኸም ዝተገለፀ ፍለጡ፤ እግዚኣብሄር ናብኡ እንትጠርዕ ይሰምዐኒ እዩ። 4 ተቘጥኡ፥ ግና ሓጢኣት ኣይትግበሩ፤ ኣብ መደቀሲኹም እንተለኹም ድማ ብልብኹም መርምሩ፤ ህድእውን በሉ። 5 መስዋእቲ ፅድቂ ሰውኡ፤ ብእግዚኣብሄር ድማ ተኣመኑ። 6 “ንሰናይ መን እዩ ዘርእየና? ዝብሉ ብዙሓት እዮም፤ ኦ ጐይታ፥ ብርሃን ገፅካ ኣብ ልዕሌና ተፈለጠ።” 7 ኣብ ልበይ ታሕጓስ ኣሕደርካ፤ ካብ ፍረ ስርናይን ወይንን ዘይትንውን እምብዛ በዝሐ። 8 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብእምነት እተሕድረኒ እሞ፥ እህርስን ብሰላም እድቅስን ኣለኹ። |