መዝሙረ ዳዊት 3 - መፅሓፍ ቅዱስካብ ወዱ ኣቤሴሎም ምስ ሃደመ፥ ናይ ዳዊት መዝሙር 1 ኦ ጐይታ፥ ዘጭንቑለይ ክንደይ ይበዝሑ! ክንደይከ እዮም ኣባይ ዝለዓሉ! 2 ብዙሓት ሰባት “ንነፍሰይ ኣምላኽኪ ኣየድሕነክን” በልዋ። 3 ኦ ጐይታ፥ ንስኻ ግና መፀግዕየይ ኢኻ፤ ክብረይን ንርእሰይውን ልዕል እተብላን ንስኻ ኢኻ። 4 ድምፀይ ዓው ኣቢለ ናብ እግዚኣብሄር ኣእዌኹ፤ ካብ ቅዱስ እምባኡ ኸዓ ይሰምዐኒ። 5 ኣነ ሃረስኩ፤ ደቀስኩውን፤ እግዚኣብሄር ደጊፉኒ እዩሞ ነቓሕኹ። 6 ካብቶም ዝኸቡኒ ኣእላፋት ኣህዛብ ኣይፈርሕን እየ። 7 ኦ ጐይታ ተስእ፤ ኦ ኣምላኸይ ኣድሕነኒ፥ ንስኻ ንምንጋጋ ዅሎም ፀላእተይ ወቒዕኻ ኢኻሞ፥ ነስናን ክፉኣት ሰባትውን ሴርካ ኢኻሞ። 8 ምድሓን ናይ እግዚኣብሄር እዩ፤ በረኸትካውን ኣብ ልዕሊ ህዝብኻ እዩ። |