መዝሙረ ዳዊት 2 - መፅሓፍ ቅዱስእግዚኣብሄር ዝሓረዮ ንጉስ 1 ኣህዛብ ስለ ምንታይ እዮም ዘጕረምርሙ? ህዝብታትከ ንምንታይ ከንቱ ነገር ዝዛረቡ? 2 ነገስታት ምድሪ ተልዓሉ፤ ምስኣቶም ሓበሩ፤ ኣሕሉቕውን ኣብ ልዕሊ እግዚኣብሄርን ኣብ ልዕሊ መሲሑን፥ ከምዙይ ኢሎም ተማኸሩ፦ 3 “ንመእሰሪኦም ንብተኮ፤ ንገመዳቶምውን ካባና ንደርብዮ” በሉ። 4 እቲ ኣብ ሰማይ ዝነብር ይስሕቖም፤ ጐይታ ድማ የባጭወሎም። 5 ሽዑ ብቝጥዓኡ ይዛረቦም፤ ብመዓቱ ኸዓ ይህውኾም። 6 “ኣነ ግና ኣብ ፅዮን ኣብቲ ቅዱስ እምባይ፥ ንጉሰይ ሸምኩ።” 7 “ትእዛዛቱውን እናገር ኣለኹ፤ እግዚኣብሄር በለኒ፦ ንስኻ ወደይ ኢኻ፤ ኣነ ሎሚ ወለድኩኻ። 8 ለምነኒ፥ ኣነ ኸዓ ኣህዛብ ንርስትኻ፥ ወሰናት ምድሪ ድማ ንግዝኣትካ ኽህበካ እየ። 9 ንስኻ ኸዓ ብበትሪ ሓፂን ክትሕልዎም፥ ከም ኣቕሓ መሬት ድማ ኽትቅጥቅጦም ኢኻ።” 10 ሕዚ እውን ኣቱም ነገስታት፥ ኣስተውዕሉ፤ ኣቱም ፈራዶ ምድሪ እውን ተገሰፁ። 11 ንእግዚኣብሄር ብፍርሓት ተገዝእዎ፤ ብረዓድ ድማ ደስ ይበልኩም። 12 ጐይታ ኸይቍጣዕሞ፥ ንስኻትኩምውን ኣብ መንገዲ ኸይትጠፍኡስ፥ ተግሳፁ ተቐበሉ፤ ቍጥዓኡ ቐልጢፉ ይነድድ እዩ እሞ፤ ኣብኡ ዝምዕቘቡ ዅሎም ብፁኣን እዮም። |