Online Bible

- Reklamy -

መዝሙረ ዳዊት 150 - መፅሓፍ ቅዱስ


መዝሙር ምስጋና

1 ሃሌ ሉያ። ንእግዚኣብሄር ኣብ መቕደሱ ኣመስግንዎ፤ ብፅንዓት ሓይሉ ኣመስግንዎ።

2 ስለቲ ግብርታት ሓይሉ ኣመስግንዎ፤ ከም ብዝሒ ዕብየቱ ኣመስግንዎ።

3 ብድምፂ መለኸት ኣመስግንዎ፤ ብበገናን ብመሰንቆን ኣመስግንዎ።

4 ብኸበሮን ብስዕስዒትን ኣመስግንዎ፤ ብኣውታርን ብእምብልታን ኣመስግንዎ።

5 ድምፁ ሰናይ ብዝኾነ ፀናፅል ኣመስግንዎ፤ ብፀናፅልን ብዕልልታን ኣመስግንዎ።

6 ኵሉ እስትንፋስ ዘለዎ ንእግዚኣብሄር የመስግን። ሃሌ ሉያ።

Následuj nás:



Reklamy