Online Bible

- Reklamy -

ምስላታት 3 - መፅሓፍ ቅዱስ


ምዕዳን ንመንእሰይ

1 ወደይ፥ ንሕገይ ኣይትረስዓዮ፤ ልብኻውን ንትእዛዛተይ ይሓልዎ።

2 እዙይ ነዊሕ ዕድመ ኽህበካ እዩ፤ በረኸትን ሰላምን ከዓ ኸብዝሐልካ እዩ።

3 ሕያዋይነትን ሓቅነትን ካባኻ ኣይፈለያ፤ ኣብ ክሳድካ ድማ እሰረን፤ ኣብ ፅላት ልብኻውን ፀሓፈን።

4 ሽዑ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄርን ኣብ ቅድሚ ሰብን፥ ሞገስን ፅቡቕ ስምን ክትረክብ ኢኻ።

5 ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር እመን፤ ብናይ ባዕልኻ ምስትውዓልውን ኣይትተኣማመን፤

6 ኣብ ኵሉ መንገድኻ ንእግዚኣብሄር ዘክር፤ ንሱ ኸዓ መንገድኻ ኸቕነዐልካ እዩ።

7 በተሓሳስባኻ ፈላጥ እየ ኣይትበል፤ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ካብ ክፉእ ከዓ ረሓቕ።

8 እዙይ ንስጋኻ ፈውሲ፥ ነዕፅምትኻ ድማ ፀገን ክኾነካ እዩ።

9 ብጥሪትካን ብዅሉ በዅሪ ፍርያትካን፥ ንእግዚኣብሄር ኣኽብሮ፤

10 ሽዑ ማዕኸንካ እኽሊ ኽመልእ፥ መፅመቚኻ ድማ ብዀልዒ ወይኒ ቕፅፅ ክብል እዩ።

11-12 ወደይ፥ ከምቲ ኣቦ ንዘፍቅሮ ውሉድ ዝቐፅዖ፥ ከምኡ ኸዓ እግዚኣብሄር ንዘፍቀሮ እዩ ዝቐፅዖሞ፥ እንተ ቐፅዐካ ኣይትመረር፤ ተግሳፅ እግዚኣብሄር ድማ ኣይትንዓቕ።

13 እቲ ጥበብ ዝረክብ፥ ምስትውዓልውን ዘጥሪ ሰብ ብፁእ እዩ።

14 ብወርቅን ብብሩርን ካብ ምንጋድ፥ ብኣኣ ምንጋድ ይበልፅ።

15 ካብ ክቡር ዕንቊ ትኸብር፤ ክቡር ዝኾነ ዅሉ እኳ ኣይመዓራረያን።

16 ኣብ የማና ነዊሕ ዕድመ፥ ኣብ ፀጋማ ኸዓ ሃብትን ክብረትን ኣለዋ።

17 መንገዳ መንገዲ ሓጐስ እዩ፤ ኵሉ ጐደናኣውን ሰላም እዩ።

18 ንሳ ንዝሕዝዋ ኦም ህይወት እያ፤ ኵሉ ዝምርኰሳውን ብፁእ እዩ።

19 እግዚኣብሄር ንምድሪ ብጥበብ መስረታ፤ ንሰማያት ከዓ ብምስትውዓል ኣፅንዖም።

20 ብፍልጠቱ ቓላያት ተሰንጠቑ፤ ደመናትውን ኣውሊ የንጠብጥቡ።

21 ወደይ፥ ነዚኣተን ካብ ዓይንኻ ኣይትፍለየን፤ ንጥበብን ንምኽርን ተጠንቂቕካ ሓዘን።

22 ንሳተን ንነፍስኻ ህይወት፥ ንኽሳድካ ኸዓ ሞገስ ክኾናኻ እየን።

23 ሽዑ ሃዲእኻ መንገድኻ ኽትከይድ፥ እግርኻውን ኣይዕንቀፍን እዩ።

24 ኣብ ድቃስካ ኣይትፈርሕን ኢኻ፤ ክትድቅስ ኢኻ፥ ድቃስካውን ጥዑም ክኸውን እዩ።

25 በቲ ብድንገት ዝመፅእ መዓት ኣይትድንግፅን፤ በቲ ንሓጥኣን ዝመፆም ጥፍኣትውን ኣይትሽበርን፤

26 እግዚኣብሄር ክሕልወካ፥ ብመፈንጠር ክትተሓዝ ከዓ ኣይሓድገካን እዩሞ።

27 ኢድካ ኽትገብረሉ ዝከኣላ እንተ ኾይኑስ፥ ነቲ ዝግብኦ ሰብ ሰናይ ነገር ኣይትኽልኣዮ።

28 ክትገብረሉ እናተኽኣለካ፥ ንብፃይካ “ኪድ ፅባሕ ተመለስ፤ ክህበካ እየ” ኣይትበሎ።

29 ብፃይካ ኣሚኑ ምሳኻ ኽነብር እንተሎ፥ ኣይትተናዀሎ።

30 ምስ ዘይበደለካ ሰብ፥ ብኸምኡ ኣይትፃላእ።

31 ብገፋዒ ሰብ ኣይትቕናእ፤ ኵሉ መንገዱውን ኣይትምረፅ።

32 ቀይናን ዝኾነ ዅሉ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ርዅስ እዩ፤ ፍቕሩ ግና ምስቶም ቅኑዓት እዩ።

33 መርገም እግዚኣብሄር ኣብ ቤት ሓጥእ እዩ፤ ንመሕደሪ ፃድቃን ግና ይባርኻ።

34 ንሱ ንመላገፅቲ የላግፀሎም፤ ንትሑታት ግና ፀጋ ይህቦም።

35 ጠቢባን ክብሪ ኽወርሱ እዮም፤ ሰነፋት ግና ልዕልናኦም ውርደት እዩ።

Následuj nás:



Reklamy