ምስላታት 27 - መፅሓፍ ቅዱስ1 መዓልቲ ዘምፅኦ ኣይትፈልጥን ኢኻ እሞ፥ ፅባሕ ብዝኸውን ኣይትመካሕ። 2 ካልእ ይንኣድካ እምበር ኣፍካ ኣይኮነን፤ ካልእ ይወድስካ እምበር ከናፍርካ ኣይኮነን። 3 እምኒ ኸቢድ እዩ፤ ሑፃ ኸዓ ሸኽሙ ረዚን እዩ፤ ካብ ክልቲኡ ግና ቝጥዓ ሰነፍ ይኸብድ። 4 ቍጥዓ ጨካን እዩ፤ ኵራውን ውሕጅ እዩ፤ ኣብ ቅድሚ ቕንኢ ግና መን ክቐውም ይኽእል? 5 ካብ ሕቡእ ፍቕሪ፥ ግሉፅ ተግሳፅ ይሐይሽ። 6 ካብ ብዙሕ ምስዓም ፀላኢ፥ ናይ ፈታዊ ምቝሳል ይሐይሽ። 7 ዝፀገበት ነፍሲ ወለላ መዓር ትረግፅ፤ ንዝጠመየት ነፍሲ ግና፥ ኵሉ መሪር እኳ ጥዑም እዩ። 8 ካብ ቤቱ ወፂኡ ዝዅብልል ሰብ፥ ሰፈራ ሓዲጋ ኸም እትዅብልል ዒፍ እዩ። 9 ቅብእን ዕጣንን ንልቢ ኸም ዘሐጕሶ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽሪ ፈታዊ ንነፍሲ የሐጕሳ። 10 ፈታዊኻን ፈታዊ ኣቦኻን ኣይትሕደግ፤ ብመዓልቲ መከራኻ እንዳ ሓውካ ኣይትኺድ፤ ካብ ርሑቕ ዘሎ ሓው፥ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጐረቤት የሐይሽ። 11 ወደይ! ንዝፀርፈኒ መልሲ ምሃብ ምእንቲ ክኽእልስ፥ ለባም ኩን፤ ንልበይውን ኣሐጕሶ። 12 መስተውዓሊ ሰብ ክፉእ ሪኡ ይሕባእ፤ ዘየስተውዕል ግና ጠጒጉ ይኣትዎ እሞ ብእኡ ይጕዳእ። 13 ንጓና ኻብ ዝተውሓሰ ሰብ ክዳኑ ውሰድ፤ ንዘይፈልጦ ንዝወሓስ ከዓ ዕገቶ። 14 ኣጋ ወጋሕታ ዓው ኢሉ ንብፃዩ ዝምርቕ፤ ከም ዝረገሞ እዩ ዝቝፀር። 15 ብመዓልቲ ጥምቕ እንተየቋረፀ ዘንጥብ ቤትን፥ ናግራም ሰበይትን ሓደ እዮም። 16 ንኣኣ ምዕጋት፥ ንንፋስ ምዕጋትን፥ ብኢድካ ዘይቲ ምዕዃትን እዩ። 17 ሓፂን፥ ንሓፂን ይስሕሎ፥ ሰብ ከዓ ንብፃዩ ይስሕሎ። 18 ንበለሱ ዝከናኸን፥ ፍረኡ ይበልዕ፥ ንጐይታኡ ዝከናኸን ከዓ ይኸብር። 19 ከምቲ ማይ ገፅ ንገፅ ዘርእዮ፥ ልብኻውን ከምኡ፥ ናይ ባዕልኻ ኹነታት የርእየካ። 20 ሞትን ሲኦልን ከም ዘይፀግቡ፥ ዓይኒ ወዲ ሰብውን ኣይፀግብን። 21 ወርቂ ብሓዊ፥ ብሩር ብመምከኺ ይፍተን፤ ሰብ ከዓ በቲ ዝቕበሎ ናእዳ ይምዘን። 22 ንዓሻ ምስ እኽሊ፥ ኣብ መጕእ እንተ እትፈፅሖ እኳ፥ ዕሽነቱ ኣይሓድጎን። 23 ሃለዋት ኣባጊዕኻ ኣፀቢቕካ ፍለጥ፤ ንልብኻ ኣብ መጓሰኻ ኣንብሮ፤ 24 ሃብቲ ንሓዋሩ፥ ዘውዲውን ንውሉድ ወለዶ ኣይነብርን እዩ። 25 ደረቕ ሳዕሪ ምስ ተዓፀደ፥ ሓዲሽ ለምለምውን ምስተርኣየ፥ ኣብ እምባታት ዘሎ ሰኾይ ከዓ ምስ ተኣከበ፥ 26 ካብ ፀጕሪ ኣባጊዕኻ ኽዳን ትረክብ፤ ዲበላታትካ መዐደጊ ግራት ይኾኑኻ፤ 27 ኣጣልካ ኸዓ ንኣኻን ንስድራኻን ንኣግራድካን ዝምግብ ፀባ ኽህባኻ እየን። |