Online Bible

- Reklamy -

ምስላታት 26 - መፅሓፍ ቅዱስ

1 ከምቲ በረድ ብፅብሓት፥ ዝናም ድማ ብቐውዒ ዘየድሊ፥ ከምኡውን ንሰነፍ ኽብረት ኣይግብኦን።

2 ከምታ እትነፍር ጭሩን፥ እትበርር ለዃዅቶን ዘይትዓልበካ፥ ከምኡ ኸዓ ምኽንያት ዘይብሉ መርገም ኣይበፅሕን።

3 ሓለንጊ ንፈረስ፥ ልጓም ንኣድጊ፥ በትሪ ኸዓ ንዝባን ዓሻ እዩ።

4 ንስኻ ድማ ንእኡ ኸይትመስልስ፥ ንሰነፍ ከም ዕሽነቱ ኣይትመልሰሉ።

5 ንባዕሉ ዝለበመ ኸይመስሎ፥ ንዓሻ ኸም ስንፍናኡ መልሰሉ።

6 ብኢድ ሰነፍ መልእኽቲ ዝሰድድ፥ ባዕሉ ኣእጋሩ ይቘርፅ፤ መከራውን ይሰቲ።

7 ኣፍ ዓሻ ዝዛረቦ ምስላ፥ ጠልጠል ከም ዝበለ እግሪ መፃጕዕ እዩ።

8 ንሰነፍ ክብረት ምሃብ፥ ከምቲ ኣብ ወንጭፍ ዝኣሰርካዮ እምኒ እዩ።

9 ምስላ ኣብ ኣፍ ሰነፋት፥ ከምቲ ኣብ ኢድ ሰካር ዝኣተወ እሾዅ እዩ።

10 እቲ ምስ ሰነፍን፥ ምስ ሓላፊ መንገድን ዝወዓዓል፥ ከምቲ ንዝረኸቦ ዝወግእ ወርዋሪ ፍላፃ እዩ።

11 ከልቢ ናብ ትፋኡ ኸም ዝምለስ፥ ሰነፍ ከምኡ ንስንፍናኡ ይደጋግሞ።

12 “ኣነ ጥበበኛ እየ” ዝብል ሰብዶ ርኢኻ ትፈልጥ? ካብኡ ንሰነፍ ተስፋ ኣለዎ።

13 እቲ ሃካይ “ኣብ መንገዲ ኣንበሳ ኣሎ፤ አረ ኣብ ኣደባባይውን ኣንበሳ ኣሎ” ይብል።

14 ከምቲ ማዕፆ ኣብ ወንድ ወንዶኡ ዝዘውር፥ ሃካይውን ከምኡ ኣብ ዓራቱ ይገላበጥ።

15 ሃካይ ንኢዱ ናብ ፃሕሊ የእትዎ፤ ናብ ኣፉ ምምላስ ግና ድኻም ይኾኖ።

16 ሃካይ፥ ብምስትውዓል ክምልሱ ኻብ ዝኽእሉ፥ ሸውዓተ ሰባት ዝበለፀ፥ ኣእምሮ ዘለዎ ይመስሎ።

17 እቲ ናብ ዘይነገሩ ዝኣቱ ሓላፊ መንገዲ፥ ከምቲ ንጭራ ኸልቢ ዝሕዝ ሰብ እዩ።

18-19 እቲ ንብፃዩ ኣታሊሉስ፥ “ክፃወት እየ ዝገበርክዎ” ዝብል ሰብ፥ ከምቲ ናብ ሞት ዘብፅሕ ትንታግን ፍላፃን፥ እናወርወረ ዝፃወት ዕቡድ ሰብን እዩ።

20 ዕንፀይቲ እንተ ተወድአ፥ ሓዊ ይጠፍእ፤ መጣቘሲ እንተ ዘየሎ ኸዓ ባእሲ የቋርፅ።

21 ሕመት ንጓህሪ ጋሃፅ ከም ዘብል፥ ዕንፀይትውን ንሓዊ ሃልሃል ከም ዘብል፥ ናግራም ሰብኣይ ከዓ ኸምኡ ባእሲ የሳውር።

22 ዘረባ ሓማዪ ኸም ጥዑም ምግቢ እዩ፤ ናብ ውሽጢ መዓናጡ ድማ ይኣቱ።

23 ክፍኣት ብልቡ ሓቢኡ፥ ፍቕሪ ዝዛረብ ከንፈር፥ ብዝዕገት ብሩር ከም ዝተለበጠ፥ ኣቕሓ መሬት እዩ።

24 ፀላኢ ብኸንፈሩ የምስል፤ ብልቡ ግና ተንኰል የንብር።

25 ብልዙብ ቃል እንተ ተዛረበካ ኣይትእመኖ፤ ኣብ ልቡ ሸውዓተ ርኽሰት ኣለዎሞ።

26 ፅልኡ ብተንኰል እንተ ሓብአ እኳ፥ ክፍኣቱ ኣብ ጉባኤ ይግለፅ።

27 ጕድጓድ ዝዅዕት ኣብኣ ይወድቕ፤ እምኒ ዘንከባልል ድማ ናብ ባዕሉ ይግልበጦ።

28 ሓሳዊት መልሓስ ንዘቝሰለቶም ትፀልኦም፤ ጠባሪት መልሓስውን ጥፍኣት ተምፅእ።

Následuj nás:



Reklamy