ምስላታት 24 - መፅሓፍ ቅዱስ19 1-2 ወደይ፥ ልቦም ክፍኣት እዩ ዝሓስብ፤ ከናፍሮም ድማ ኽፍኣት እየን ዝዛረባሞ፥ በቶም እኩያት ሰባት ኣይትቕናእ፤ ምስኣቶምውን ክትነብር ኣይትድለ። 20 3 ቤት ብጥበብ ይህነፅ፥ ብምስትውዓል ከዓ ይፀንዕ። 4 ብፍልጠት ካብ ኵሉ ዝኸበረን ዝፀበቐን ሃብቲ፥ ውሻጠታት ይመልእ። 21 5 ጥበበኛ ሰብ ብርቱዕ እዩ፤ ኣእምሮ ዘለዎ ኸዓ ሓይሉ የፅንዕ። 6 እምበኣር ብጥበብ ተመሪሕኻ ተዋጋእ፤ ዓወት ከዓ ብዙሕ መኸርቲ ኣብ ዘለውዎ እዩ። 22 7 ጥበብ ንዓሻ የመና ዝረሓቐት እያ፤ ኣብ ደገ ኸዓ ኣፉ ኣይኸፍትን። 23 8 ክፉእ ክገብር ዝሓስብ ተንኰለኛ ይበሃል። 9 ዓሻ ዝሓስቦ ዅሉ ሓጢኣት እዩ፤ ዘላግፅ ሰብ ከዓ ብሰብ ፍንፉን እዩ። 24 10 ብጊዜ መከራ እንተ ላሕሊሕኻ፥ ሓይልኻ ኽደክም እዩ። 25 11 ነቶም ናብ ሞት ዝዅብኰቡ ኣድሕኖም፤ ናብ ማሕረዲ ዝውሰዱውን ኣናግፎም። 12 “እንሆ እዝ ዅሉስ ኣይፈለጥክዎን” እንተ በልካ፥ እቲ ንልቢ ዝምርምር ኣየስተውዕልንዶ? እቲ ንነፍስኻ ዝሕሉስ ኣይፈልጥንዶ? ንነፍሲ ወከፍከ፥ ከከም ግብሩ ኣይፈድዮንዶ? 26 13 ወደይ፥ ፅቡቕ እዩ እሞ፥ መዓር ብላዕ፤ ወለላ መዓር ንትንሓግካ ጥዑም እዩ። 14 ጥበብውን ንነፍስኻ ኸምኡ ኸም ዝኾነት ፍለጥ፤ እንተ ረኺብካያ ፍፃሜኻ ሰናይ ይኸውን፤ ተስፋኻውን ኣይጠፍእን። 27 15 ከም ሓጥእ ንቤት ፃድቕ ኣይተድብየላ፤ ነታ መንበሪኡውን ኣይትሃውካ። 16 ፃድቕ ሸውዓተ ጊዜ ይወድቕ፤ ይትስእውን፤ ሓጢኣተኛታት ግና ኣብ መከራ ይወድቁ። 28 17 ፀላኢኻ እንተ ወደቐ፥ ኣይትተሓጐስ፤ ብምስንኻሉውን፥ ልብኻ ደስ ኣይበሎ፤ 18 እግዚኣብሄር ነዙይ ሪኡ ብዓይኑ ኽፉእ ከይኸውን፥ ቍጥዓኡውን ካብኡ ኸይመልስ። 29 19 በቶም ገበርቲ ኽፉእ ኣይትቈጣዕ፤ በቶም ዓመፀኛታትውን ኣይትቕናእ። 20 ክፉእ ሰብ ናይ ተስፋ ፍፃሜ የብሉን፤ መብራህቲ ሓጥኣንውን ክጠፍእ እዩ። 30 21 ወደይ፥ ንእግዚኣብሄር ፍራሕ፤ ንንጉስ ከዓ ኣኽብር፤ ምስ ዓመፅትውን ኣይትፀመር። 22 ብድንገት መዓት ክወርዶም እዩ፤ ካብ ክልቲኦም ንዝመፅእ ጥፍኣት መን ይፈልጦ? ካልእ ምዕዳን 23 እዙይውን ቃል ጠቢባን እዩ፦ ኣብ ፍርዲ ኣድልዎ ምግባር ግቡእ ኣይኮነን። 24 ንሓጥእ ፃድቕ ኢኻ ንዝብሎ፥ ህዝብታት ይረግምዎ፤ ኣህዛብውን ይፀልእዎ። 25 ነቶም ዝግስፅዎ ግና ደስታ ክኾነሎም እዩ፤ ኣብ ልዕሊኣቶምውን በረኸትን ሰናይ ዕድልን ክወርድ እዩ። 26 ቅኑዕ መልሲ ዝህብ ከም ምስዓም ከንፈር እዩ። 27 ኣብ ወፃኢ ዘሎ ስራሕኻ ኣስልጥ፤ ግራት ኣዳሉ፤ ብድሕሪኡ ገዛኻ ስራሕ። 28 ብዘይ ምኽንያት መስኪርካ ንብፃይካ ኣይትጕድኣዮ፤ ብኸናፍርካ ድማ ኣይትጠብሮ። 29 “ከምታ ዝገበረኒ ኽገብሮ፥ ከም ግብሩውን ክፈድዮ እየ” ኣይትበል። 30 ብግራት ሃካይ፥ ብናይቲ ዓሻ ኣታኽልቲ ወይኒ እውን ሓለፍኩ፤ 31 እንሆ ድማ፥ ኣብ ኵሉ ዃዂቶ በቚልዎ፥ ቈጥቋጥ ውሒጥዎ፥ እቲ መካበብያ እምኒውን ፈሪሱ ነበረ። 32 ብምስትውዓል ተመልከትክዎ፤ ንእኡ ሪአውን ትምህርቲ ረኸብኩ፤ 33 ትኽስ ዝብልን ዝድቅስን፥ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ዝውዕልን ሰብ፥ 34 ድኽነትን ስእነትን፥ ከም ኣፅዋር ዝዓጠቐ ሽፍታ፥ ድንገት ይመፃኦ። |