ምስላታት 2 - መፅሓፍ ቅዱስጥበብ ዝህቦ ጥቕሚ 1 ወደይ፥ ንቓለይ እንተ ተቐበልካዮ፥ ንትእዛዛተይ ከዓ ተጠንቂቕካ እንተ ሓዝካየን፥ 2 እዝንኻ ናብ ጥበብ እንተ ኣቕለብካ፥ ልብኻ ናብ ምስትውዓል እንተ መለስካ፥ 3 እወ፥ ኣእምሮ ኽትረክብ፥ ምስትውዓልውን ክወሃበካ እንተ ተማህለልካ፥ 4 ንጥበብ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሊኻያ፥ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካውን እንተ ኣሊሽካያ፥ 5 ሽዑ ንእግዚኣብሄር ምፍራሕ ክትፈልጥ ኢኻ፤ ንፍልጠት ኣምላኽ ከዓ ኽትረኽቦ ኢኻ። 6 ጥበብ ዝህብ እግዚኣብሄር እዩሞ፥ ፍልጠትን ምስትውዓልንውን ካብ ኣፉ ይወፅእ። 7 ንሱ ንቕኑዓት ድሕነት ይእክበሎም፤ ብዘይ ነውሪ ንዝኸዱ ኸዓ ዋልታኦም ይኸውን። 8 መንገዲ ፍትሒ ይሕሉ፤ መንገዲ ቕዱሳንውን የፅንዕ። 9 ሽዑ ፅድቅን ፍርድን ቅንዕናን ኵሉ ሰናይ መንገድን ክትፈልጥ ኢኻ። 10 ጥበብ ናብ ልብኻ ኽትኣቱ እያ፤ ፍልጠትካውን ንነፍስኻ ኽተሐጕሳ እያ። 11 ምኽሪ ኽትሕልወካ፥ ምስትውዓል ድማ ኸተዕቝበካ እያ። 12 ካብ ኽፉእ መንገዲ፥ ካብቶም ቀይናን ዝዛረቡ ሰባት ድማ ኽተናግፈካ እያ። 13 ንሳቶም ንመንገዲ ቕንዕና ሓዲጎም፥ ብመንገዲ ፀልማት ይኸዱ፤ 14 ክፉእ ብምግባር ይሕጐሱ፤ ብቐይናን ነገርውን ደስ ይብሎም፤ 15 ንሳቶም መንገዶም ዝጠዋውዩ፥ ኣካይዳኦም ድማ ዘቐይንኑ እዮም። 16-17 ወደይ፥ ካብታ ንሰብኣይ ንእስነታ ዝሓደገት፥ ነቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ዝኣተወቶ ኪዳን ዝረስዐት ዘማዊት ሰበይትን፥ ካብታ ልዙብ ዝቓላ ኣመንዝራን ከተናግፈካ እያ። 18 ቤታ ናብ ሞት፥ መንገዳ ኸዓ ናብ ምዉታት ዘውርድ እዩ። 19 ካብቶም ናብኣ ዝኣትዉ ሓደ እኳ ዝምለስ የለን፤ ንመንገዲ ህይወትውን ኣይረኽብዋን እዮም። 20 ንስኻ ግና ናይቶም ሰናይ ዝገብሩ ሰባት ኣብነት ተኸተል፤ ንመንገዲ ፃድቃንውን ሓልዋ። 21 እቶም ቅኑዓት ኣብ ምድሪ እዮም ዝነብሩ፥ እቶም ፍፁማት ከዓ ኣብኣ እዮም ዝተርፉ። 22 ሓጢኣተኛታት ግና ኻብ ምድሪ ይጠፍኡ፤ ዓመፀኛታትውን ካብኣ ይንቀሉ። |