ሚክያስ 5 - መፅሓፍ ቅዱስ1 ኣቲ ጓል ጭፍራታት ጭፍራኺ ሕዚ ኣክቢ፤ ከቢቡ ኣጨኒቑና እዩ፤ ንፈራዲ እስራኤልውን ምዕጕርቱ ብበትሪ ይወቕዕዎ ኣለዉ። እግዚኣብሄር፥ ካብ ቤተልሔም ገዛኢ ኸም ዝወፅእ ዝሃቦ ተስፋ 2 “ኣቲ ኣብ ምድሪ ኤፍራታ ዘለኺ ቤተልሔም፥ ንስኺ ኻብተን ኣብ ይሁዳ ዘለዋ ኣእላፋት ዝነኣስኪ ኢኺ። ትውልዱ ኻብ ጥንቲ፥ ካብ ዘለኣለም ዝኾነ፥ ኣብ እስራኤል ገዛኢ ክኸውን ዘለዎ ኻባኺ ኽወፀለይ እዩ።” 3 ስለዙይ ክሳዕ እታ ወላዲቱ ንእኡ እትወልደላ ዘመን፥ ኣሕሊፉ ኽህቦም እዩ። ብድሕሪኡ ግና እቶም ዝተረፉ ኣሕዋቱ፥ ናብ ደቂ እስራኤል ክምለሱ እዮም። 4 ንሱ ብሓይሊ እግዚኣብሄርን፥ ብግርማ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኹን፥ ንመጓሰኡ ክጓስየን እዩ። ሽዑ ንሱ ኽሳዕ ወሰን ምድሪ ዓብዪ ክኸውን እዩ እሞ፥ ንሳቶምውን ክነብሩ እዮም። 5 ንሱ ንሰላም ክኸውን እዩ። ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ ኣተወ ምድርናውን ምስ ረገፀ፥ ሸውዓተ ጓሶትን ሸሞንተ ኣሕሉቕን ክነተስአሉ ኢና። ምድሓንን መቕፃዕትን 6 ንሳቶም ንሃገር ኣሶር ብሰይፊ፥ ንሃገር ናምሩድ ከዓ፥ ኣብ በርታት ከጥፍእወን እዮም። እቲ ኣሶራዊ ናብ ሃገርና ምስ መፀ፥ ወሰንና ድማ ምስ ረገፀ፥ ንሱ ኸናግፈና እዩ። 7 እቲ ተረፍ ያእቆብ፥ ኣብ ማእኸል ብዙሓት ኣህዛብ፥ ከምቲ ኻብ እግዚኣብሄር ዝወርድ ጠሊ፥ ኣብ ልዕሊ ሳዕሪ ኸም ዝወርድ ካፋ ንሰብ ከም ዘይሕሉ፥ ኣብ ደቂ ሰባትውን ተስፋ ኸም ዘይገብር ክኸውን እዩ። 8 እቲ ተረፍ ያእቆብ ከዓ ኣብ መንጎ ኣህዛብን፥ ኣብ መንጎ ብዙሓት ህዝብታትን ከም ኣንበሳ፥ ኣብ ማእኸል እንስሳትን፥ ኣብ ማእኸል መጓሰ ኣባጊዕን፥ ሓሊፉ ከም ዝረጋግፅ፥ ዘናግፍ ከዓ ዘየለ ከም ዝምንጥል፥ ከም ሽደን ኣንበሳ ክኸውን እዩ። 9 ኢድካ ኣብ ልዕሊ ፀላእትኻ ልዕል ልዕል ክትብል እያ፤ ኵሎም ፀላእትኻውን ክጠፍኡ እዮም። 10 እግዚኣብሄር ከምዙይ ይብል ኣሎ፦ “በታ መዓልቲ እቲኣ ነፍራስካ ኻብ ማእኸልካ ኸጥፍእ፥ ንሰረገላታትካውን ክሰባብሮ እየ። 11 ንኸተማታት ምድርኻ ኸጥፍአን፥ ንዅሉ ዕርድታትካ ድማ ኸፍርሶ እየ። 12 ጥንቈላኻ ኻብ ኢድካ ኸጥፍእ እየ፤ ድሕሪ ደጊምውን ጠንቈልቲ ኣይህልዉኻን እዮም። 13 ነቲ ፅሩብ ምስልታትካን ሓወልቲታትካን ካብ ማእኸልካ ኸጥፍኣ እየ። ድሕሪዙይውን ነቲ ስራሕ ኣእዳውካ ኣይትሰግድን ኢኻ። 14 ንመምለኺ ዓፀዳትካ ካብ ማእኸልካ ኽነቕሎ፥ ንኸተማታትካ ኸዓ ኸዕንወን እየ። 15 ነቶም ዘይሰምዑ ኣህዛብ ከዓ ብቝጥዓን ብመዓትን ሕነ ኽፈዲ እየ።” |