ዘሌዋውያን 3 - መፅሓፍ ቅዱስመስዋእቲ ምስጋና 1 እቲ ቝርባን መስዋእቲ ምስጋና እንተ ኾይኑ፥ ካብ መጓሰ ኸፍቲ ጐደሎ ዘይብሉ፥ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርብ። 2 ኢዱ ኸዓ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ የንብር፤ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ መራኸቢ ድንኳን ድማ ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ኸዓ እቶም ካህናት ደቂ ኣሮን፥ ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 3 ካብቲ መስዋእቲ ምስጋና፥ ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ገይሩ ንእግዚኣብሄር የቕርብ፤ ንናይ ውሽጢ ኣካላቱ ዝኸድን ስብሕን ኣብ ኣምዑት ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ 4 ክልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ምስቲ ኣብ ጥቓ ዅላሊት ዘሎ ስብሒ ኸብድን ፈልዩ የቕርብ። 5 ደቂ ኣሮን ድማ ኣብ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ኣብ ሓዊ ዘሎ ዕንፀይቲ፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቃፀል መስዋእቲ የቃፅልዎ። እዙይ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ። 6 እቲ ንእግዚኣብሄር ዘቕርቦ መስዋእቲ ምስጋና፥ ካብ በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ጐደሎ ዘይብሉ ተባዕታይ ወይ ኣንስተይቲ የቕርብ። 7 መስዋእቱ ጡበት በጊዕ እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ። 8 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ዝስዋእ እንስሳ ኣንቢሩ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ነቲ ደሙ ድማ ደቂ ኣሮን ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 9-10 ካብቲ ንመስዋእቲ ምስጋና ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ እንስሳ ድማ ነቲ ስብሑ፥ ሕልሕሉ ብምሉኡ ኻብ ቀራፂቶ ፈልዩ፥ ነቲ ውሽጣዊ ኣካል ዝኸድን ስብሕን ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካል ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲአን ኵላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያአን ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርቦ። 11 እቲ ኻህን ድማ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዙይ፥ ብሓዊ ተቓፂሉ ንእግዚኣብሄር ዝቐርብ መስዋእቲ ብልዒ እዩ። 12 እቲ መስዋእቲ፥ ጤል እንተ ኾይኑ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር የቕርቦ፤ 13 ኢዱ ኣብ ልዕሊ ርእሲ እቲ ጤል ኣንቢሩ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ መራኸቢ ድንኳን ይሕረዶ። ደቂ ኣሮን ከዓ ነቲ ደም ኣብቲ መሰውኢ ብዅሉ ወገኑ ይንፀግዎ። 14-15 ካብቲ መስዋእቲ ነቲ ናይ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዝኸድን ስብሕን፥ ነቲ ኣብ ውሽጣዊ ኣካላት ከብዲ ዘሎ ዅሉ ስብሕን፥ ንኽልቲኡ ዅላሊት ምስቲ ኣብ ዙርያኡ ኣብ ጥቓ ሽምጢ ዘሎ ስብሕን፥ ነቲ ኻብ ጥቓ ዅላሊት ዝፈልዮ ስብሒ ኸብድን፥ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ሓዊ የቕርብ። 16 እቲ ኻህን ድማ ኸም መስዋእቲ ብልዒ ንጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ብሓዊ የቃፅሎ። ኵሉ ስብሒ ናይ እግዚኣብሄር እዩ። 17 ስብሒን ደምን ኣይትብልዑ፤ እዙይ ኣብ ኵሉ እትነብሩሉ ንውሉድ ወለዶኹም ስርዓት ዘለኣለም ይኹን። |