ዘሌዋውያን 24 - መፅሓፍ ቅዱስዅልሻዕ ዝበርህ ቀንዲል ( ዘፀ. 27፡20-21 ) 1 እግዚኣብሄር ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተናገሮ፦ 2 እቲ ቐንዲል ዅልሻዕ ምእንቲ ኽበርህ፥ ደቂ እስራኤል ንቐዋሚ ቐንዲል ዝኸውን ተወቒጡ ዝተፃረየ ዘይቲ ኣውሊዕ ከምፅኡልካ ኣዝዞም። 3 ኣሮን ኣብቲ መራኸቢ ድንኳን፥ ብወፃኢ እቲ ኣብ ቅድሚ ታቦት ኪዳን ዘሎ መጋረጃ፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ካብ ምሸት ክሳዕ ጊሓት ዅልሻዕ የብርሃዮ። እዙይ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹን። 4 ነቲ ቐናዲል ኣብቲ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ቐዋሚ ቐንዲል ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኵልሻዕ የዳልዎ። ንኣምላኽ ዝቐርብ መስዋእቲ እኽሊ 5 ልሑም ሕሩጭ ወሲድካ ድማ ኻብኡ ዓሰርተ ኽልተ ሕብስቲ ሰንክት፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሕብስቲ ካብቲ መስፈሪ ካብ ዓሰርተ ኢድ ክልተ ኢድ ይኹን። 6 ኣብቲ ፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሐ ጠረጴዛ ኸዓ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር በብሽዱሽተ ጌርካ ኣብ ክልተ መስርዕ ኣንብሮ። 7 ነቲ ሕብስቲ ድማ ንመዘከርታ መስዋእቲ ሓዊ ንእግዚኣብሄር ክኸውን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕድሕድ መስርዕ ሕብስቲ ፅሩይ ዕጣን ኣንብር። 8 ነዝ ሕብስቲ እዙይ ኵልሻዕ ብመዓልቲ ሰንበት ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ብመስርዕ የንብሮ፤ እዝ ስርዓት እዙይ ንደቂ እስራኤል ናይ ዘለኣለም ኪዳን እዩ። 9 ብሓዊ ኻብ ዝተገብረ ኻብ እግዚኣብሄር ቍርባን ብዘለኣለም ስርዓት ንእኡ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ እሞ፤ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን፤ ኣብ ቅዱስ ቦታ ኾይኖም ከዓ ይብልዕዎ። ንእግዚኣብሄር ዝፀረፈ ብእምኒ ተቐጥቂጡ ኸም ዝተቐትለ 10 እኖኡ እስራኤላዊት ኣቦኡ ድማ ግብፃዊ ዝኾነ ሰብኣይ ምስ ሓደ እስራኤላዊ ኣብቲ ሰፈር ተበኣሰ። 11 ወዲ እታ እስራኤላዊት ሰበይቲ ኸዓ ንስም እግዚኣብሄር ፀረፈን ኣቃለለን። ናብ ሙሴ ድማ ወሰድዎ። (እኖኡ ኸዓ ሰሎሚት ዝተብሃለት ጓል ዲብሪ፥ ካብ ነገድ ዳን ነበረት።) 12 ፍቓድ እግዚኣብሄር ክሳዕ ዝግለፀሎም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣፅንሕዎ። 13 እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዙይ ኢሉ ተዛረቦ፦ 14 ነቲ ዝተፃረፈ ሰብኣይ ናብ ወፃኢ ሰፈር ኣውፅኣዮ፤ እቶም ዝሰምዕዎ ዅሎም ከዓ በዳሊ ኸም ዝኾነ ምእንቲ ኽምስክሩ፥ ኣእዳዎም ኣብ ልዕሊ ርእሱ የንብሩ፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ድማ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። 15 ንደቂ እስራኤል ድማ ኸምዙይ በሎም፦ ዝኾነ ሰብ ንኣምላኹ ዝፀረፈ ፍዳኡ ኽቕበል እዩ። 16 እቲ ንስም እግዚኣብሄር ዝፀርፍ ይቀተል፤ ኵሉ እቲ ህዝቢ ብእምኒ ቐጥቂጡ ይቕተሎ። ጓና ኾነ ወይ እስራኤላዊ፥ ንስም እግዚኣብሄር እንተ ፀረፈ ይቀተል። 17 ሰብ ዝቐተለ ይቀተል። 18 ናይ ካልእ ሰብ እንስሳ እንተ ቐተለ ኸዓ፥ ህይወት ክንዲ ህይወት እዩ እሞ፥ ይተክእ። 19 ሰብ፥ ኣካል ብፃዩ እንተጕደለ፥ ከምቲ ንሱ ዝገበሮ ይግበርዎ፤ 20 መስበርቲ፥ ክንዲ መስበርቲ፤ ዓይኒ፥ ክንዲ ዓይኒ፤ ስኒ፥ ክንዲ ስኒ ይኹን። ከምቲ ንሱ ንሰብ ዘጕደሎ፥ ንእኡ ድማ ኸምኡ ይግበርዎ። 21 እንስሳ ዝቐተለውን ይተክአሉ፤ ንሰብ ዝቐተለ ግና ይቀተል። 22 ንጓና ኾነ ንእስራኤላዊ ሓደ ዓይነት ሕጊ ይኹነልኩም፤ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ። 23 ሙሴ ኸዓ ንደቂ እስራኤል ምስ ተዛረቦም፥ ነቲ ዝፀረፈ ናብ ወፃኢ ሰፈር ወሲዶም፥ ብእምኒ ቐጥቂጦም ቀተልዎ። ደቂ እስራኤል ድማ ኸምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ገበሩ። |