Online Bible

- Reklamy -

ዘሌዋውያን 2 - መፅሓፍ ቅዱስ


መስዋእቲ እኽሊ

1 ዝኾነ ሰብ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኸቕርብ እንተሎ፥ እቲ መስዋእቱ ኻብ ልሑም ሕሩጭ ይኹን፤ ዘይቲ የፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ይግበረሉ፤

2 ናብቶም ካህናት፥ ደቂ ኣሮን የምፅኣዮ። እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ዘይትን ዕጣንን ዝተሓወሶ ልሑም ሕሩጭ ብሓደ ኢዱ ዓዂቱ፥ ብምሉኡ ኸም ዝተሰውአ ምእንቲ ኸርኢ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። እዝ ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ ቍርባን፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

3 እቲ ኻብ መስዋእቲ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ግና ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል ቍርባን ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።

4 ኣብ እቶን ዝተሰንከተ ቝርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ድማ፥ ብልሑም ሕሩጭ ጌርካ፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ዘይበዅዐ ቕጫታት፥ ወይ ከዓ ዘይቲ ዝተለኽየ ዘይበዅዐ ረቀቕቲ ቕጫታት ይኹን።

5 ቍርባንካ ኣብ መቝሎ ዝተሰንከተ ናይ እኽሊ ቝርባን፥ ብዘይቲ ዝተለወሰ ናይ ልሑም ቅጫ ይኹን።

6 ቈራሪስካ ኸዓ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ንሱ ቝርባን እኽሊ እዩ።

7 ቍርባንካ ኣብ ቝራዕ ዝበሰለ ቝርባን እኽሊ እንተ ኾይኑ፥ ብልሑም ሕሩጭን ብዘይትን ይገበር።

8 ነቲ ኻብዝ ነገርዙይ ዝተገብረ ቝርባን እኽሊ ናብ እግዚኣብሄር ኣምፅኣዮ፤ ናብቲ ኻህን ድማ ኣቕርቦ፤ ንሱ ኸዓ ናብ መሰውኢ የቕርቦ።

9 እቲ ኻህን ድማ ኻብቲ ቝርባን እኽሊ ንመዘከርታ ዝኸውን ኣልዒሉ፥ ኣብ መሰውኢ የቃፅሎ። ብሓዊ ተቓፂሉ ዝቐርብ መስዋእቲ፥ ንእግዚኣብሄር ጥዑም ጨና እዩ።

10 እቲ ኻብ ቍርባን እኽሊ ዝተረፈ ድማ ንኣሮንን ንደቁን ይኹን። እዙይ ካብቲ ንእግዚኣብሄር ብሓዊ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝተወስደ ስለ ዝኾነ ቅዱሰ ቅዱሳን እዩ።

11 ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ ኽተቕርብ እንተለኻ ዝበዅዐ ኣይኹን። ዝበዅዐ ኾነ ወይ መዓር ብሓዊ ኣቃፂልካ ንእግዚኣብሄር መስዋእቲ ኣይተቕርብ።

12 ከም መስዋእቲ ቐዳማይ ፍረ ናብ እግዚኣብሄር ኣቕርብዎ፤ ግና ኸም ጥዑም ጨና ኣብ መሰውኢ ኣይቃፀል።

13 ንዅሉ ናይ እኽሊ ቝርባንካ ብጨው ኣመቅሮ፤ ኣብቲ ናይ እኽሊ መስዋእትኻ፥ ጨው ኪዳን ኣምላኽካ ኣይጕደል። ኣብ ኵሉ መስዋእትኻውን ጨው ኣቕርብ።

14 ካብ በዅሪ ፍርያትካ ንእግዚኣብሄር ቍርባን እኽሊ እንተ ኣቕረብካ፥ ዝተጠብሰ ሸዊት ሓሲኻን በቊፅካን ኣቕርብ።

15 ኣብ ልዕሊኡ ዘይቲ ኣፍስሰሉ፤ ዕጣንውን ግበረሉ። እዙይ ቍርባን እኽሊ እዩ።

16 እቲ ኻህን ከዓ ኻብቲ ሕሱይ እኽልን ካብቲ ዘይትን ምስ ኵሉ ዕጣን ገይሩ ንመዘከርታ የቃፅሎ፤ እዙይ ንእግዚኣብሄር ናይ ሓዊ ቝርባን እዩ።

Následuj nás:



Reklamy