ትንቢት ዮናስ 2 - መፅሓፍ ቅዱስፀሎት ዮናስ 1 ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓሳ ኾይኑ፥ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኹ ፀለየ። 2 ከምዙይውን በለ፦ “ብጊዜ መከራይ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ ኣእዌኹ፤ ንሱውን ሰምዐኒ። ኣብ ከርሲ ሲኦል ኮይነ ኣእዌኹ፤ ንስኻውን ድምፀይ ሰማዕኻ። 3 ንስኻ ናብቲ መዓሙቝ፥ ናብ ልቢ ባሕሪ ደርበኻኒ፤ ወሓይዝ ከበቡኒ፤ ኵሉ ማዕበልካን ሞገድካን ብልዕለይ ሓለፈ። 4 ኣነ ኸዓ፥ ‘ካብ ቅድሚ ኣዒንትኻ ተሰጐጕኩ፤ ግና ናብ ቅዱስ መቕደስካ መሊሰ ኽጥምት እየ’ በልኩ። 5 ማያት ክሳዕ ነፍሰይ ከበቡኒ፤ መዓሙቝ ኣብ ዙርያይ ነበረ፤ ሳዕሪ ባሕሪ እውን ኣብ ርእሰይ ተጠምጠመ። 6 ናብ መሰረት እምባታት ወረድኩ፤ ኣብ ምድርን ኣብ መወርወሪታታን ንዘለኣለም ተዓፆኹ፤ ኦ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፥ ንስኻ ግና ንህይወተይ ካብ ጕድጓድ ኣውፃእኻያ። 7 ነፍሰይ ኣብ ውሽጠይ ምስ ዘሓለት፥ ንእግዚኣብሄር ዘከርክዎ፤ ፀሎተይ ናባኻ፥ ናብ ቅዱስ መቕደስካ ትዕረግ። 8 እቶም ከንቱን ሓሰትን ዝሕልዉ፥ ምሕረቶም ይሓድጉ። 9 ኣነ ግና ብምስጋና ቓል፥ መስዋእቲ ኽስውአልካ እየ፤ ነቲ ዝተመባፃዕኽዎ ኸዓ ኽህብ እየ፤ ድሕነት ካብ እግዚኣብሄር እዩ።” 10 ሽዑ እግዚኣብሄር ነቲ ዓሳ ኣዘዞ፤ ንሱውን ንዮናስ ናብቲ ንቑፅ ምድሪ ተፍኦ። |