ኤፌሶን 5 - መፅሓፍ ቅዱስብብርሃን ክርስቶስ ምምልላስ 1 እምበኣር ከም ፍቑራት ውሉድ፥ ተኸተልቲ እግዚኣብሄር ኩኑ። 2 ከምቲ ክርስቶስ ዘፍቀረና፥ ምዑዝ ዝሽታኡ መባእን መስዋእትን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንታና ኣሕሊፉ ዝሃበ፥ ንስኻትኩምውን ብፍቕሪ ተመላለሱ። 3 ንቅዱሳን ኣይግባእን እዩ እሞ፥ ዝሙት፥ ዝኾነ ዓይነት ርኽሰት፥ ከትሪ ወይ ስስዐ፥ ኣባኻትኩም ከቶ ኣይሰማዕ። 4 እኳ ደኣ ንእግዚኣብሄር ምስጋና እምበር፥ ዘሕንኽ ወይ ዘነውር ዘረባ ወይ ዋዛ፥ ኣባኻትኩም ክስማዕ ኣይግባእን እዩ። 5 ዘማዊ፥ ርኹስ፥ ወይ ጣዖት ከም ምምላኽ ዝቝፀር ስስዐ ዘለዎ ሰብ፥ ኣብ መንግስቲ ክርስቶስን እግዚኣብሄርን፥ ርስቲ ኸም ዘይብሉ ፍለጡ። 6 ብሰንኪ እዝ ነገራት እዙይ፥ ኣብቶም ንእግዚኣብሄር ዘይእዘዙ ሰባት፥ ቍጥዓ እግዚኣብሄር ክወርድ እዩ እሞ፥ ሓደኳ ብኸንቱ ዘረባ ኣየስሕትኩም። 7 እምበኣር ምስኣቶም ሕብረት ኣይሃሉኹም። 8 ቀደም ፀልማት ኔርኩም ኢኹም፤ ሕዚ ግና፥ ብጐይታና ብርሃን ኢኹም፤ እምበኣር ከም ደቂ ብርሃን ኴንኩም ንበሩ። 9 ፍረ ብርሃን፥ ኣብ ኵሉ ሰናይን፥ ቅንዕናን ሓቅን እዩ፥ ዝርከብ እሞ። 10 እምበኣር እቲ ንእግዚኣብሄር ዘሐጕሶ፥ እንታይ ከም ዝኾነ መርምሩ። 11 ኣቃልዕዎ ደኣ እምበር፥ ምስ ፍረ ዘይብሉ ግብሪ ፀልማት ሕብረት ኣይሃሉኹም፤ 12 እቲ ንሳቶም ብሕቡእ ዝገብርዎ፥ ንምዝራቡ እኳ ዘሕፍር እዩ። 13 ኵሉ ነገር እንተ ደኣ ናብ ብርሃን ቀሪቡ ግና፥ ይረአ፤ ኵሉ እቲ ዝረአ ብርሃን እዩሞ። 14 ስለዙይ ከዓ እዩ፥ “ኣታ ደቂስካ ዘለኻ ተበራበር፤ ካብ ምዉታንውን ተስእ፤ ክርስቶስ ከዓ ኸብርሀልካ እዩ” ዝተብሃለ። 15-16 እምበኣር ተጠንቀቑ፤ እዝ ዘመን ክፉእ እዩ እሞ፥ ነቲ ዝተውሃበኩም ጊዜ ብምሉኡ፥ ኣብ ረብሓ እናውዓልኩም፥ ከም ዓያሹ ዘይኮነስ፥ ከም ለባማት ንበሩ። 17 ስለዙይ ፍቓድ እግዚኣብሄር እንታይ ምዃኑ ኣስተውዕሉ እምበር፥ ዓያሹ ኣይትኹኑ። 18 ብመንፈስ ቅዱስ ደኣ ተመልኡ እምበር፥ ናብ ጥፍኣት ስለ ዘብፅሕ፥ ብወይኒ ኣይትስከሩ። 19 ብመዝሙርን ብቕኔን ብመንፈሳዊ ዜማን፥ ንስንሳትኩም ተዘራረቡ፤ ንጐይታ፥ ብምሉእ ልብኹም እናዜምኩምን እናዘመርኩምን፥ ኣመስግኑ። 20 ንእግዚኣብሄር ኣብ፥ ስለ ዅሉ ነገር፥ ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ፥ ኵልሻዕ ኣመስግንዎ። ብዛዕባ ሰብኣይን ሰበይትን 21 ንክርስቶስ ካብ ዘለኩም ፍርሓት፥ ንስንሳትኩም እዙዛት ኩኑ። 22 ኣትን ኣንስትውን፥ ከም ንክርስቶስ ጌርክን፥ ንሰብኡትክን ተኣዘዛኦም። 23 ከምቲ ክርስቶስ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ዝኾነ፥ ሰብኣይ ከዓ ርእሲ ሰበይቱ እዩ። ክርስቶስ ድማ፥ ናይታ ሰብነቱ ዝኾነት ቤተ ክርስቲያን፥ መድሕን እዩ እሞ። 24 ከምቲ ቤተ ክርስቲያን ንክርስቶስ እትእዘዞ፥ ከምኡ ድማ ኣንስቲ፥ ንሰብኡተን ብዅሉ ይተኣዘዛኦም። 25 ክርስቶስ ንቤተ ክርስቲያን ከም ዘፍቀራ፥ ንባዕሉውን ቤዛ ገይሩ ኸም ዝሃበላ፥ ኣቱም ሰብኡትውን፥ ነንስትኹም ኣፍቅርወን። 26 ብምሕፃብ ማይ፥ ብቓሉ ኣፅርዩ ምእንቲ ኽቕድሳ፥ 27 ርስሓት ወይ ምጭምዳድ ወይ ድማ ንእኡ ዝመስል ካልእ ክፍኣት ዘይብላ፥ ቅድስትን ነውሪ ዘይብላን፥ ክብርቲ ቤተ ክርስቲያን ገይሩ፥ ንባዕሉ ምእንቲ ኸቕርባ እዩ። 28 ከምኡ ኸዓ ኣቱም ሰብኡት፥ ነተን ኣንስትኹም፥ ከም ሰብነትኩም ጌርኩም ኣፍቅርወን። እቲ ንሰበይቱ ዘፍቅር፥ ንባዕሉ እዩ ዘፍቅር። 29 ከምቲ ክርስቶስ፥ ንቤተ ክርስቲያን ዝከናኸና፥ ሰብ ንሰብነቱ ይምግቦን ይከናኸኖን እምበር፥ ሰብነቱ ዝፀልእ ሓደኳ የለን። 30 ንሕና ኸዓ፥ ኣካላት ሰብነት ክርስቶስ ኢና። 31 “ስለዙይ ሰብኣይ ኣቦኡን እኖኡን ሓዲጉ፥ ምስ ሰበይቱ ይሓብር፤ ክልቲኦም ከዓ፥ ሓደ ኣካል ይኾኑ።” 32 እዝ ምስጢርዙይ ዓብዪ እዩ፤ ኣነ ግና ብክርስቶስን ብቤተ ክርስቲያንን፥ እምስሎ ኣለኹ። 33 ስለዙይ ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ፥ ንሰበይቱ ኸም ነፍሱ ገይሩ የፍቅራ፤ ሰበይቲውን፥ ንሰብኣያ ተኽብሮ። |