መክብብ 6 - መፅሓፍ ቅዱስ1 ኣብ ትሕቲ ፀሓይ ዝረአኽዎ ኽፉእ ነገር ኣሎ፤ ንሱውን ኣብ ልዕሊ ሰብ የመና ዝኸበደ እዩ። 2 እግዚኣብሄር ንሰብ ሃብትን ጥሪትን ክብርን ሃቦ፤ ካብቲ ዅሉ ዝደልዮ ንነፍሱ ሓንቲ እኳ ኣይጐደሎን፤ ግና ኻልእ ሰብ ይበልዖ እምበር ካብኡ ኽበልዕ እግዚኣብሄር ስልጣን ኣይሃቦን። እዙይ ከዓ ኸንቱን ዝኸፍአ ጕድኣትን እዩ። 3 ሰብ ሚእቲ ቘልዑ እንተ ዝወልድ፥ ብዙሕ ዓመታት ብህይወት እንተ ዝነብር፥ መዓልቲታት ዕድሜኡውን እንተ ዝበዝሕ፥ ግና ነፍሱ ብሰናይ ነገር እንተ ዘይፀገበት፥ ብቑዕ ቀብሪውን እንተ ዘይረኸበ፥ ካብኡስ ቍላዕ ይሐይሽ፤ እብል ኣለኹ። 4 ብኸንቱ ይመፅእ፤ ብፀልማትውን ይኸይድ እዩሞ ስሙ ብፀልማት ይኽወል። 5 ንፀሓይ ኣይረአያን፤ ዝኾነ ነገርውን ኣይፈለጠን፤ ካብቱይ ነዙይ ዝበለፀ ዕረፍቲ ኣለዎ። 6 ሽሕ ዓመት ክልተ ሻዕ ብህይወት እንተ ዝነብር፥ ግና ሰናይ ነገር እንተ ዘይረአየ ዅሎም ናብ ሓደ ቦታ ዝኸዱዶ ኣይኮኑን? 7 ኵሉ ድኻም ሰብ ንኣፉ እዩ፤ ነፍሱ ግና ኣይትፀግብን። 8 ካብ ዓሻ ንለባም ሕልፉ እንታይ እዩ? ኣብ ቅድሚ ህያዋን ምኽያድ ንዝፈልጥ ድኻኸ ረብሓኡ እንታይ እዩ? 9 ብዓይኒ ምርኣይ ብነፍሲ ኻብ ምቕብዝባዝ ይሐይሽ፤ እዙይውን ከንቱ እዩ፤ ንፋስ ከም ምኽታል እዩ። 10 ነቲ ዝኾነ ዅሉ ኣቐዲሙ ስም ወፂኡሉ እዩ፤ ሰብ ከም ዝኾነውን ተፈለጠ፤ ምስቲ ኻብኡ ዝበርትዐ ኽፋረድ ኣይኽእልን። 11 ንኸንቱ ዘብዝሐ ብዙሕ ነገር ኣሎሞ፥ እዙይ ንሰብ እንታይ ይጠቅም? 12 ኣብዝ ሓፂር፥ ከንቱ፥ ከም ፅላሎት ዝሓልፍ ህይወት ወዲ ሰብ፥ እቲ ዝሐሸ ነገር እንታይ ከም ዝኾነ ዝፈልጥ መን እዩ? ወይ ከዓ ንሰብ ብድሕሪኡ ኣብ ትሕቲ ፀሓይ እንታይ ከም ዝኸውን መን ክነግሮ ይኽእል? |