Online Bible

- Reklamy -

2 ሳሙኤል 9 - መፅሓፍ ቅዱስ


ዳዊትን ሜምፊቦስቴን

1 ዳዊት ድማ “ምእንቲ ዮናታን ኢለ ሰናይ ዝገብረሉ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብ ደኾን ይህሉ?” በለ።

2 ኣገልጋሊ ቤት ሳኦል ሲባ ዝስሙ ሓደ ሰብኣይ ነበረ፤ ናብ ዳዊትውን ፀውዕዎ። ንጉስ ድማ “ሲባ እትበሃል ንስኻ ዲኻ?” በሎ። ንሱ ኸዓ “እወ ጐይታይ፥ ኣነ እየ” በለ።

3 ንጉስ ድማ “ምእንቲ እግዚኣብሄር ብርህራሀ ኽከናኸኖስ፥ ካብ ቤት ሳኦል ሓደ ዝተረፈ ሰብዶ የለን?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “ኣእጋሩ ዝተጐድአ እባ ሓደ ወዲ ዮናታን ኣሎ” በሎ።

4 ንጉስ ድማ “ኣበይ ኣሎ?” በሎ። ሲባ ኸዓ ንንጉስ “እንሆ ንሱ ኣብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣብ ሎዶባር ኣሎ” በሎ።

5 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ናብ ሎዶባር ልኢኹ ኻብ ቤት ማኪር ወዲ ዓሚኤል ኣምፅኦ።

6 ሜምፊቦስቴ ወዲ ዮናታን፥ ወዲ ሳኦል፥ ናብ ዳዊት መፂኡ፥ ብግንባሩ ተደፊኡ ኢድ ነስአ። ዳዊት ድማ “ሜምፊቦስቴ” በሎ። ንሱ ኸዓ “እኒሀኹ ጐይታይ” በለ።

7 ዳዊት ድማ “ምእንቲ ኣቦኻ ዮናታን ኢለ ሰናይ ክገብረልካ እየ እሞ ኣይትፍራሕ፤ ገራሁ ኣቦኻ ሳኦልውን ክመልሰልካ እየ፤ ንስኻ ኸዓ ንሓዋሩ ኣብ ማእደይ ክትበልዕ ኢኻ” በሎ።

8 ንሱ ድማ ፍግም ኢሉ “ናብ ከማይ ዝበለ ምዉት ከልቢ ገፅካ ኽትመልስስ፥ ኣነ ሓሽከርካ መን እየ?” በለ።

9 ሽዑ ንጉስ ዳዊት ንሲባ ኣገልጋሊ ሳኦል ፀዊዑ “ናይ ሳኦልን ናይ ኵላ ቤቱን ዝኾነ ዅሉ ንወዲ ጐይታኻ ሂበዮ ኣለኹ።

10 ንስኻን ደቅኻን ኣገልገልትኻን ድማ፥ ቤት ወዲ ጐይታኻ ምእንቲ ዝብላዕ ክረክብስ፥ እቲ መሬት ሓሪስኩም ንእኡ ኣእትዉሉ። ሜምፊቦስቴ ወዲ ጐይታኻ ግና ዅልሻዕ ኣብ ማእደይ ክበልዕ እዩ” በሎ። ሲባ ዓሰርተ ሓሙሽተ ኣወዳትን ዕስራ ኣገልገልትን ነበርዎ።

11 ሲባ ድማ ንንጉስ “ጐይታይ! ከምቲ ንስኻ፥ ንኣይ ንሓሽከርካ ዝኣዘዝካኒ ዅሉ ኽገብር እየ” በሎ። ሜምፊቦስቴ ግና ከም ሓደ ኻብ ደቂ ንጉስ ኣብ ማእዲ ንጉስ ይበልዕ ነበረ።

12 ሜምፊቦስቴ፥ ሚካ ዝስሙ ንእሽተይ ወዲ ነበሮ። ኣብ ቤት ሲባ ዝነብሩ ዅሎም ድማ ኣገልገልቲ ሜምፊቦስቴ ኾኑ።

13 ሜምፊቦስቴ ከዓ ዅልሻዕ ኣብ ማእዲ ንጉስ እናበልዐ፥ ኣብ ኢየሩሳሌም ይቕመጥ ነበረ፤ ንሱ ኽልቲአን ኣእጋሩ ልሙሳት ነበራ።

Následuj nás:



Reklamy