Online Bible

- Reklamy -

2 ሳሙኤል 2 - መፅሓፍ ቅዱስ


ዳዊት ኣብ ይሁዳ ኸም ዝነገሰ

1 ድሕሪዙይ ዳዊት “ካብ ከተማታት ይሁዳ ናብ ሓዲአንዶ ኽድይብ?” ኢሉ ንእግዚኣብሄር ጠየቐ። እግዚኣብሄር ከዓ “ደይብ” በሎ። ዳዊት ድማ “ናበየነይቲ ኽድይብ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ናብ ኬብሮን” በሎ።

2 ሽዑ ዳዊትን ክልቲአን ኣንስቱ፥ ምስ ኣኪናሆም በዓልቲ ኢይዝራኤልን፥ ኣቢግያ ሰበይቲ ናባል በዓል ቀርሜሎስ ዝነበረትን፥ ኮይኖም ናብ ኬብሮን ደየቡ።

3 ዳዊት ድማ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ሰቡ፥ ንነፍሲ ወከፍ መምስ ስድራ ቤቱ ኣደየቦም፤ ኣብ ኬብሮንን ከተማታታን ከዓ ተቐመጡ።

4 ሰብ ይሁዳ ድማ መፂኦም ንዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኽነግስ ኣብ ኬብሮን ቀብእዎ። ሽዑ “ንሳኦል ዝቐበርዎ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ እዮም” ኢሎም ንዳዊት ነገርዎ።

5 ዳዊት ድማ ናብ ሰብ ኢያቢስ ገለዓድ ልኡኻት ሰዲዱ “ንጐይታኹም ሳኦል ብምቕባርኩም ሰናይ ጌርኩምሉ ኢኹም እሞ እግዚኣብሄር ይባርኽኩም።

6 ሕዚ ኸዓ እግዚኣብሄር ርህራሀን ሓቅን ይግበረልኩም። ኣነ ድማ እዝ ነገር እዙይ ስለ ዝገበርኩም ሰናይ ክገብረልኩም እየ።

7 ሕዚ እውን ጐይታኹም ሳኦል ሞይቱ እዩሞ፥ ኢድኩም ትፅናዕ ንስኻትኩምውን ሓያላት ኩኑ፤ ንኣይ ከዓ ንጉሶም ክኸውን ቤት ይሁዳ ቐቢኦሙኒ ኣለዉ” በሎም።


ቤት ዳዊትን ቤት ሳኦልን ከም ዝተዋግኡ

8 ኣበኔር ወዲ ኔር፥ ሓለቓ ሰራዊት ሳኦል ግና ንኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል ወሲዱ፥ ናብ ማሓናይም ኣሳገሮ።

9 ኣብ ልዕሊ ገለዓድን ኣብ ልዕሊ ኣሹራውያንን ኣብ ልዕሊ ኢይዝራኤልን ኣብ ልዕሊ ኤፍሬምን ኣብ ልዕሊ ብንያምን ኣብ ልዕሊ ዅሎም እስራኤልን ድማ ኣንገሶ።

10 ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦል፥ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ክነግስ እንተሎ፥ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበረ። ክልተ ዓመት ከዓ ነገሰ። ቤት ይሁዳ ግና ደድሕሪ ዳዊት ሰዓበት።

11 ዳዊት ኣብ ልዕሊ ቤት ይሁዳ ኣብ ኬብሮን ሸውዓተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ነገሰ።

12 ኣበኔር ወዲ ኔርን ኣገልገልቲ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ድማ ኻብ ማሓናይም ናብ ገባዖን ወፁ።

13 ኢዮኣብ ወዲ ፅሩያን ሹመኛታት ዳዊትን ከዓ ወፂኦም ኣብ ቃላይ ገባዖን ተራኸብዎም። እዚኣቶም ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ፥ እቲኣቶም ድማ ነቲ ቓላይ በቲ ሓደ ወገኑ ተቐመጡ።

14 ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ፥ “እዞም መናእሰይ ይተስኡ እሞ፥ ኣብ ቅድሜና ይዋግኡ” በሎ። ኢዮኣብ ከዓ “ይዋግኡ” በሎ።

15 ሽዑ ኻብ ብንያምን ካብ ኢያቡስቴ ወዲ ሳኦልን ዓሰርተ ኽልተ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ከዓ ዓሰርተ ኽልተ ተቘፀሩ እሞ ተስኡ።

16 ነፍሲ ወከፍ ርእሲ መጋጥምቱ ኣፅኒዑ ሒዙ ሰይፊ ኣብ ጐድኒ መጋጥምቱ ሸኸለ፤ ተተሓሒዞም ከዓ ብሓደ ወደቑ። ስለዙይ እታ ቦታ ግራት ስሕለታም ሰይፊ ተብሃለት። ንሳ ድማ ኣብ ገባዖን ትርከብ።

17 በታ መዓልቲ እቲኣ ድማ እቲ ውግእ የመና በርትዐ፤ ኣበኔርን እቶም ሰብ እስራኤልን ከዓ ብኣገልገልቲ ዳዊት ተስዓሩ።

18 ኣብኡ ድማ ሰለስቲኦም ደቂ ፅሩያ ኢዮኣብን ኣቢሳን ኣሳሄልን ነበሩ። ኣሳሄል ከዓ ኸምታ ኣብ በረኻ ዘላ ሰስሓ ጐያዪ ነበረ።

19 ኣሳሄል ንየማን ወይ ንፀጋም እንተየግለሰ ንኣበኔር ከርክቦ ብጕያ ሰዓቦ።

20 ሽዑ ኣበኔር ንድሕሪት ግልፅ ኢሉ “ንስኻ ኣሳሄል ዲኻ?” ኢሉ ጠየቖ። ንሱ ኸዓ “እወ ኣነ እየ” ኢሉ መለሰሉ።

21 ኣበኔር ድማ “ንየማንካ ወይ ንፀጋምካ ኣቢልካ ኣግልስ እሞ፥ ንሓደ ኻብዞም መናእሰይ ሒዝካ ኣፅዋሩ ግፈፎ” በሎ። ኣሳሄል ግና ደድሕሪኡ ኻብ ምስዓብ ከየግልስ እምቢ በለ።

22 ኣበኔር ድማ መሊሱ ንኣሳሄል “ኣግልስ! ምስ ምድሪ ከየጣብቐካስ ኣይትስዓበኒ። ደሓርከ ኸመይ ገይረ ገፅ ሓውካ ኢዮኣብ ክርኢ እየ?” በሎ።

23 ኣሳሄል ግና ካብኡ ምግላስ ኣበየ። ሽዑ ኣበኔር ብዂናት ከብዱ ወግኦ እሞ፥ እቲ ዂናት ብድሕሪቱ ወፀ፤ ኣብኡ ኸዓ ወዲቑ ሞተ። ናብታ ኣሳሄል ወዲቑ ዝሞተላ ቦታ ዝመፀ ዅሉ ድማ ኣብኣ ደው ይብል ነበረ።

24 ኢዮኣብን ኣቢሳን ግና ንኣበኔር ኣሳጐጕዎ። ኣብታ ኣብ መንገዲ ምድረ በዳ ገባዖን፥ ኣብ መንፅር ጋይ ዘላ ዀረብታ ኣማ ምስ በፅሑ ኸዓ ፀሓይ ዓረበት።

25 ደቂ ብንያም ድማ ኣብቲ ኣበኔር ዘለዎ ቦታ ተኣኪቦም ሓደ ጭፍራ ኾይኖም፥ ኣብ ርእሲ ሓንቲ ዀረብታ ቖሙ።

26 ሽዑ ኣበኔር ንኢዮኣብ ፀዊዑ “ኣታ፥ መወዳእታ ዘይብሉ ውግእዶ ኣሎ እዩ? ንሓዋሩ መሪር ፅልኢ ኸም ዝሓድገልናዶ ኣይትፈልጥን ኢኻ? ህዝብኻ ንኣና ነሕዋቶም ክሳዕ መኣዝ እዮም ዘሳጕጉና? ኽምለሱኸ ኣይትእዝዞምን ዲኻ?” በሎ።

27 ኢዮኣብ ከዓ “ብህያው ኣምላኽ እምሕል ኣለኹ፤ ንስኻ እንተ ዘይትዛረብስ እዞም ህዝቢ፥ ንኣኻትኩም ነሕዋቶም ካብ ምስጓጕ ቕድሚ ፅባሕ ንግሆ ኣይምተመለሱን ነይሮም” በሎ።

28 ሽዑ ኢዮኣብ መለኸት ነፍሐ፤ ኵሉ ህዝቢ ድማ ደው በለ። ድሕሪዙይ ንእስራኤል ኣየሳጐጉዎምን፥ እቲ ውግእ ድማ ደው በለ።

29 ኣበኔርን እቶም ሰባቱን ድማ እታ ለይቲ እቲኣ ብምልእታ ብጐልጐል ዮርዳኖስ ክይድ ሓዲሮም ፈለግ ዮርዳኖስ ተሳገሩ፤ ንዅላ ቢትሮን ሓሊፎም ድማ ናብ መሓናይም ኣተዉ።

30 ኢዮኣብ ከዓ ንኣበኔር ካብ ምስጓጕ ተመለሰ፤ ንዅሉ ህዝቢ ምስ ኣከቦ ድማ፥ ካብ ኣገልገልቲ ዳዊት ዓሰርተ ትሽዓተ ሰብኡትን ኣሳሄልን ጐደሉ።

31 እቶም ኣገልገልቲ ዳዊት ግና ኻብ ብንያምን ካብ ናይ ኣበኔር ሰባትን ሰለስተ ሚእትን ስሳን ቀተሉ።

32 ንኣሳሄል ድማ ወሲዶም ኣብቲ ኣብ ቤተ ልሔም ዘሎ መቓብር ኣቦኡ ቐበርዎ። ኢዮኣብን እቶም ሰቡን ድማ ምሉእ ለይቲ ኽይድ ሓዲሮም፥ ክወግሕ እንተሎ ኣብ ኬብሮን በፅሑ።

Následuj nás:



Reklamy