2 ይ ዜና 4 - መፅሓፍ ቅዱስኣቑሑ ቤተ መቕደስ ( 1 ነገ. 7፡23-51 ) 1 ንጉስ ሰሎሞን ብነሃስ ገይሩ ምንዋሑ ዕስራ እመት፥ ምግፋሑ ድማ ዕስራ እመት፥ ምብራኹ ኸዓ ዓሰርተ እመትን ፈረቓን፥ ዝኾነ መሰውኢ ሰርሐ። 2 ብዝፈሰሰ ነሃስ ገይሩ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝቑመቱ፥ ኣርባዕተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝሰንጣቒቱ፥ ዙርያኡ ኸዓ ዓሰርተ ሰለስተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝኾነ መዕቘሪ ማይ ሰርሐ። 3 ኣብ ትሕቲ ኸንፈሩ ድማ ንዅሉ እቲ መዕቘሪ ማይ ዙርያኡ ዝኸብዎ ምስሊ ኣብዑር ነበርዎ፥ ምስሊ እቶም ኣብዑር ከዓ ኽልተ መስርዕ ኮይኑ ምስቲ መዕቘሪ ማይ ብዝፈሰሰ ነሃስ ብሓደ ዝተሰርሐ ነበረ። 4 ነቲ መዕቘሪ ማይ ኣብ ልዕሊ ዓሰርተ ኽልተ ምስሊ ኣብዑር ኣንበሮ። እቶም ኣብዑር ሰለስተ ንሰሜን ገፆም፥ ሰለስተ ንምዕራብ ገፆም፥ ሰለስተ ንደቡብ ገፆም፥ ሰለስተ ድማ ንምብራቕ ገፆም ይጥምቱ ነበሩ። 5 ከንፈር እቲ መዕቘሪ ማይ ምርጓዱ ስድሪ ነበረ፤ ኣሰራርሓኡ ድማ ኸም ፅዋዕን፥ ከም ዕምበባ ሱፍን ነበረ። ስሳ ሽሕ ሊትሮ ከዓ ዝሕዝ ነበረ። 6 ዓሰርተ ጋብላታት ሰርሐ፤ ሓሙሽተ ብወገን የማን፥ ሓሙሽተ ብወገን ፀጋም ከዓ ኣንበሮ። ነቲ ዅሉ ዝቃፀል መስዋእቲ ዝኸውን ከዓ ኣብኡ ይሓፅብዎ ነበሩ። በቲ ኣብ መዕቘሪ ማይ ዘሎ ማይ ግና እቶም ካህናት ይሕፀቡ ነበሩ። 7 ብወርቂ ገይሩ ኸምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዞ ዓሰርተ ቐዋሚ ቐንዲል ገበረ። ኣብ ውሽጢ ቤተ መቕደስ ድማ ሓሙሽተ ብየማን ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣንበሮም። 8 ብወርቂ ገይሩ ዓሰርተ ሰደቓ ሰርሐ፤ ኣብ ውሽጢ መቕደስ ከዓ ሓሙሽተ ብየማን፥ ሓሙሽተ ብፀጋም ገይሩ ኣቖሞ፤ ሚእቲ ጭሐሎ ወርቂውን ገበረ። 9 ኣደባባይ ካህናትን፥ ገፊሕ ኣደባባይን ገበረ፤ መዓፁታት እቲ ኣደባባይውን ሰርሐ፤ ነቲ መዓፁታቱውን ብነሃስ ለበጦ። 10 ነቲ መዕቘሪ ማይ ድማ ብደቡብ ምብራቕ ናይቲ ቤተ መቕደስ ኣብ ሓደ ዅርናዕ ኣንበሮ። 11 ኪራም ከዓ ድስትታትን መፅሓሪታትን ጭሐሎታትን ሰርሐ። ስለዙይ ኪራም ነቲ ንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤተ መቕደስ ዝኸውን ኣቑሑ ሰሪሑ ፈፀሞ። 12 ክልተ ኣዕምዲ፥ ኣብ ርእሲ እተን ኣዕምዲ ኸዓ ኽልተ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት፥ ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ጕልላት ዘጊፃ ድማ ኽልተ ዓይኒ ርግቢ ሰርሐ። 13 ነተን ክልተ ዓይኒ ርግቢ ዝኾና ኣርባዕተ ሚእቲ ሮማን፥ (ነተን ኣብ ርእሲ ኣዕምዲ ዘለዋ ዅዕሶ ዝመስላ ጕልላት ዘመልክዓ ነሓደ ዓይኒ ርግቢ ኽልተ ዘውሪ ሮማን) ገበረ። 14 መቐመጢታትን ኣብ ልዕሊ እቲ መቐመጢታት ዝቕመጡ ናይ መሕፀቢ ኵስኵስትታትን፥ 15 ንሓደ ባሕሪ ኣብ ትሕቲኡ ዝኾኑ ዓሰርተ ኽልተ ኣብዑር ሰርሐ። 16 ድስትታትን መፅሓሪታትን ሻኳታትን ንእኡ ዝመስል ካልእ ኣቑሑን ሰርሐ። ኪራም እቲ ንቤት እግዚኣብሄር ኢሉ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሰርሐሉ ኣቑሑ ብዘንፀባርቕ ነሃስ ሰርሖ። 17 እቲ ንጉስ ኣብ ጐልጐል ዮርዳኖስ፥ ኣብ መንጎ ሱኮትን ፅሬዳን፥ ኣብ ዝርከብ መፍሰሲ ኣፍሰሶ። 18 ሰሎሞን ዝሰርሖ ኣቑሑ ነሃስ የመና ብዙሕ ስለ ዝነበረ፥ ክምዘን ኣይተኽኣለን። 19 ንጉስ ሰሎሞን ንቤት እግዚኣብሄር ዝኸውን ዝሰርሖ ኣቑሑ እዙይ እዩ፦ ብወርቂ ዝተሰርሐ መሰውኢ፥ ኣብ ልዕሊኡ ሕብስቲ ቝርባን ዘንብሩሉ ሰደቓታት፥ 20 ከም ስርዓቱ ኣብ ቅድሚ ቅድስተ ቅዱሳን ዝበርሃ ብፅሩይ ወርቂ ዝተሰርሓ ቐወምቲ መቕረዛት መምስ ቀንዲለን ገበረ። 21 ብምሉኡ ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ዕምበባታትን ቀናዲል መንቀርቀርን ገበረ። 22 ብፅሩይ ወርቂ ዝተገብረ ጕጠታትን ጭሐሎታትን ማንካታትን ፅንሃሃትን፥ ብወርቂ ሰርሐ፤ ናይ ቤተ መቕደስ መዓፁን ናይ ቅድስተ ቅዱሳን መዓፁን ከዓ ካብ ወርቂ ነበረ። |