2 ይ ዜና 3 - መፅሓፍ ቅዱስሰሎሞን ቤተ መቕደስ ክሰርሕ ከም ዝጀመረ ( 1 ነገ. 6፡1-38 ) 1 ሰሎሞን ኣብ ኢየሩሳሌም፥ ኣብ እምባ ሞሪያ፥ ኣብታ እግዚኣብሄር ነቦኡ ዳዊት ዝተርአየላ፥ ዳዊት ከዓ ኣዳልዩ ዝመደባ ቦታ፥ ኣብ ዓውዲ ኦርና እቲ ኢያቡሳዊ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ። 2 ሰሎሞን ምስ ነገሰ ኣብ ራብዐይቲ ዓመቱ ብኻልአይቲ መዓልቲ ናይታ ኻልአይቲ ወርሒ ቤት እግዚኣብሄር ክሰርሕ ጀመረ። 3 እቲ ሰሎሞን ዝሰርሖ ቤት እግዚኣብሄር፥ ምንዋሑ ዕስራን ሸውዓተን ሜትር፥ ምግፋሑ ኸዓ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። 4 እቲ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤት ዝነበረ ገበላ ኸዓ፥ ምንዋሑ ኸም መጠን ምግፋሕ እቲ ቤት፥ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ቁመቱ ድማ ሓምሳን ኣርባዕተን ሜትር ነበረ። ነቲ ውሽጡ ኸዓ ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ። 5 ነቲ ዓብዪ ቤተ መቕደስ ድማ ብሉሕ ፅሕዲ ኸደኖ፤ ንእኡውን ብፅሩይ ወርቂ ለበጦ፤ ኣብ ልዕሊኡ ኸዓ ምስሊ ስየታትን ሰንሰለታትን ስኢሉ ኣጌፆ። 6 ነቲ ቤተ መቕደስ ድማ ብኽቡር ኣእማንን ካብ ፈርዋይም ብዝመፀ ወርቅን ገይሩ ሸለሞ። 7 ነቲ ናይ ቤተ መቕደስ ሰረገላታትን ልዳውትን መናድቕን መዓፁን፥ ብወርቂ ለበጦ፤ ምስሊ ኪሩቤል ድማ ቐረፀሉ። 8 እታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ ምንዋሓ ኸም ምግፋሕ እቲ ቤተ መቕደስ ትሽዓተ ሜትር፥ ምግፋሓ ድማ ትሽዓተ ሜትር ገይሩ ሰርሓ፤ ብዕስራ ሽሕ ኪሎ ግራም ዝኣክል ፅሩይ ወርቂ ኸዓ ለበጣ። 9 ሓሙሽተ ሚእትን ሰብዓን ግራም ወርቂ ዝወድአ ሽንካራት ከዓ ገበረ። ነተን ኣብ ላዕሊ ዘለዋ ኽፍልታት ድማ ብወርቂ ለበጠን። 10 ኣብታ ቕድስተ ቅዱሳን ከዓ እቶም ወቐርቲ፥ ምስሊ ኽልተ ኪሩቤል ገበሩ፤ ብወርቂ ድማ ለበጥዎም። 11-13 ምንዋሕ ሓደ ኽንፊ ናይ ሓደ ኪሩቤል ክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ንኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ከዓ ይነክእ ነበረ። ሓደ ኽንፊ ናይቲ ኻልኣይ ኪሩቤል ድማ ኽልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ነበረ። ስለዙይ ናይ ክልቲኦም ኪሩቤል ኣኽናፍ ምንዋሑ ትሽዓተ ሜትር ነበረ። ካብ መንደቕ ናብ መንደቕ ከዓ ይበፅሕ ነበረ። በእጋሮም ደው ኢሎም ነበሩ፤ ገፆምውን ናብ ቤት ኣቢሉ ይርኢ ነበረ። 14 ብሰማያውን ሓምራውን ውፁእ ቀይሕ ሃርን ልሕፂ እንጣጢዕን መጋረጃ ገበረ፤ ምስሊ ኪሩቤል ከዓ ጠለፈሉ። ብነሃስ ዝተሰርሑ ኽልተ ኣዕምዲ ( 1 ነገ. 7፡15-22 ) 15 ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ ድማ፥ ዓዓሰርተ ሓሙሽተ ሜትርን ፈረቓን ዝቑመቱ፥ ክልተ ኣዕምዲ ሰርሐ። ኣብ ረርእሰን ከዓ ኸክልተ ሜትርን ዕስራ ሰንቲ ሜትርን ዝምንዋሑ ጕልላት ገበረለን። 16 ንጫፍ እቲ ጕልላት ከዓ ብሰንሰለትን ብሚእቲ ሮማንን ገይሩ ኣጌፆ። 17 ነተን ኣዕምዲ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ቤተ መቕደስ፥ ንሓንቲ ብወገን የማን፥ ነታ ሓንቲ ኸዓ ብወገን ፀጋም ኣቖመን። ነታ የማነይቲ ዓምዲ ያቁም፥ ነታ ፀጋመይቲ ኸዓ በለዝ ኢሉ ስም ኣውፅአለን። |